ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ግዳያት ኲናት እየን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ንሓጺር እዋን፡ ካብ ራማላሕን ቤተልሄምን ዝመጹ ፍልስጤማውያን መምህራንን መራሕቲ ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ካይሮ ብዛዕባ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርቲ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ከም እተሳተፉን፣ ኮሎም እቶም ካብ ፍልስጥኤም ዝመጹ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ መምሃራን፣ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንተማሃሮኦም ክድግፉ ከም ዝቖረጹን፣ "ዋላ'ውን በቲ ዘሎ ኩነታት ብሓዘንን ጓህን ዝተወሓጥና ንኹን ኣቢያተ ትምህርትና ተስፋ ዘብጽሓን ዘካፍልና ኮይነን ክቕጽላ እየን” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ካብ ካይሮ ልእኽቲ ዜና ቫቲካን ማሪነ ሀንርዮት ሓቢራ።
መተዓናቕፎ ንተበጻሕነት ትምህርቲ
እቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ዝተወልዐ ኲናት፡ ነቲ ድሮ ተኣፋፊ ዝነበረ ኩነታት ትምህርቲ ፍልስጤም፡ ኣብ ትሕቲ 56 ዓመታት ወተሃደራዊ መግዛእቲ እስራኤል ዝተቓለሰሉ ኩነታት ከም ዘጋደዶን፣ "ብሓቂ ድማ እዚ ኩነታት እዚ ምእማኑ ዘጸግም ዓቕሊ ዝሓትት ምዃኑ ካብ ፍልስጥኤም ዝመጹ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ኣቢያተ ትምህርቲ መምሃራን ከም ሓበሩን ሀንርዮት ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ ተመላኽት።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ከከም ጻዕቒ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ዓመጽ ይኽፈታን ይዕጸዋን። "ቅድሚ ምሸት ግጭት ወይ ወራር እንተተፈጹሙ ከምኡ'ውን ከከም ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ክግደዳ ከም ዝኽእላ ተጋባእያን ይሕብሩ። ብሓይልታት እስራኤል ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተተኽሉ ነቑጣታት መፈተሺ እውን፣ ተማሃሮ ናብ ኣቢያተ ትምህርቲ ክኸዱ ከም ዘየኽሎምን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት እውን ነቲ ስሩዕ ከይዲ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘተዓናቕፍ ከም ዝኾነ መምሃራን ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝጠቐሰት ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሀንርዮት፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ግዝኣታት ፍልስጤም ኣብ ዝርከባ 65 ብቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ኣቢያተ ትምህርቲ 22 ሽሕ ተማሃሮ ከም ዘለዉን ካብዚኦም እቶም 8 ሽሕ ክርስትያን ምዃኖም ትሕብር።
ካብ ዕለት 15 ጥሪ ጀሚሩ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እኳ እንተሃለወ፣ ኲናት ግን ከም ኣካል መዓልታዊ ህይወት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ካብ ትኹረት ማዕከናት ዜና ዝረሓቐ እውን እንተኾነ፡ ወራርን ምዕጻው ጽርግያታትን እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ይካየዱ፣ ወተሃደራዊ እገዳታት ድማ ተበራቲዑ ይቕጽል ኣሎ። "ናይቲ ኲናት ሳዕቤናቱን ጽልዋታቱን ከቢድ እዩ . . . ቀጻሊ ድምጺ ፍንጀራ፣ ፍርሒ፣ ጭንቀት" ከም ዘሎ ሀንርዮት ምስ መምህራን ዘዘካየደቶ ቃለ መሕትት ተወኪሳ ተመላኽት።
ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ንተማሃሮ ምድጋፍ
ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት፣ ተደጋጋሚ ወራርን ቀጻሊ ምስፍሕፋሕ ሰፈራታትን እስራኤልም ኣብ ኩነታት ጥዕና ኣእምሮ እቶም ተማሃሮ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ስለዚ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ተመሃሮ ዘጋጠሞም ጸገም ቁሳዊ ጥራሕ ዘይኮነ ክንየው ዝኸይድ ዝተፈላለየ ሞያዊ ድጋፍ ዝሓትትን ብዙሕ ወጻኢታት ዝጠልብን ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መምሃራን ንተመሃሮ ብትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብስምዒት እውን ክከናኸንዎም ከም ዝግብኦምን እዚ ንምኽዋን ብሓቂ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ምዕራይ ግድን ምዃኑ፣ መምሃራን ናይ ቤተ ክስቲያን ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዘብርሁ፣ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪነ ሀንሪዮት ትሕብር።
እዚ ዅሉ ጸገም እናሃለወ ንጽቡቕ ሂወት ተማሃሮኦም ዝተወፈዩ መምህራን ከም ዝኾኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምዃኑ ዝገለፍጸት ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሀንሪዮት፡ እስዒባ እቶም ተመሃሮ ነቲ እቲ ውግን ህልው ኩነታትን ኣብ ውሽጦም ዝሓደጎ በሰላን ስምዒቶም እውን ንኸካፍሉ ብመምሃራኖም ከም ዝድገፉ ተረጋገጽ።
"ተማሃሮና ‘መጻኢ እንተዘይሃልዩ ንምንታይ ኢና ንመሃር?’ ዝብል ሕቶ እውን ወትሩ ከም ዘቕርቡሎም እቶም መምሃራን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ፡ "እዞም ህጻናት ኣብ ፍልስጤም ክንብሩን ሕይወቶም ኣብ ሃገሮም ክመርሑን ዝደልዩ እዮም፣ ስለዚ ምስ እዚ ድልየት እዚ ዝመዓራረየ ሓገዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ሀንርዮት መምሃራን ዝበልዎ ሓሳብ ተወኪሳ ተረጋግጽ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ህጻናት 782 ሽሕ ህጻናት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ምዝጉባት ክኾኑ እንከለዉ፣ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፍልስጤም ኣብተን ዝተጎበጠ ግዝኣታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ 8% ክሳብ 20% ክዕጸዋ ከምዝተገደዳ ይግምት።
ትምህርቲ ንዘይጎነጻዊ ባህሊ
መምህራን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርቲ ንዘተ ቦታ ይህቡ - "ንኻልኦት ኣብ ምርዳእ፡ ምስ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣብ ምዝታይ፡ ፍልልያት ኣብ ምቕባል፥ ብዙሕ ትኩረት ከም ዝገብራ፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ከም ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ክርስትያን ናይቲ ዞባ፡ ካብ ኩሉ እምነት ዝመጹ ህጻናት ዝማህሩሉ እዩ . . . "ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ፡ ንግጭታት ብዘይጎነጻዊ ቃልሲ ከመይ ገርካ ከም እትምልሶን ከመይ ጌርካ ንሓድሕድካ ትሰምዕን ትደጋገፍን፥ ዝመሃሩሉ እውን እዩ . . . ስለዚ ኣቢያተ ትምህርቲ ንዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዝሓንጽ እውን ክኸውን ከም ዘለዎ ሀንርዮት ንተመክሮ መምህራን ጠቒሳ ተመላኽት።
ኣብታ ትውልዲ ክርስትናን ምልክት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ህይወትን ኣብ ዝኾነት ቤተልሄም፡ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ን800 ደቂ ኣንስትዮ መደብ ትምህርቲ ዘቕርብ ክኸውን እንከሎ፡ ካብአን እተን ፍርቀን እውን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እያተን - ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ሃይማኖት ፍልልያት ብዘየገድስ ሓድሕዳዊ ምቅርራብን ምርድዳንእ ዘተን ዝረጋገጸለን ምዃነን መምህራንን ተመህሮን ዘረጋገጽዎ ሓቂ ምዃኑ ዝሓበረት ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሀንርዮት ኣስዒባ፣
ቁጠባዊ ጽልዋ ኲናት
ኣብያተ ትምህርቲ ተነጺለን ክህልዋ ዘይከኣል እዩ፣ ከም ኩሉ ክብደት ናይቲ ኲናት ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝትንከፋ እያተን፣ ንኣብነት ናብ ቤተልሔም ዝግበር ዝነበረ ንግደት ብምቁራጹ፣ ብዙሓት ተቐማጦ እቲ ከባብቢ ንመነባብሮኦም ኣብ መስሕብን በጻሕትን ዝምርኮሰ ብምዃኑ፣ ናይ ደቆም ወጻእኢታት ንኽሽፍኑ ብዙሕ የጸግሞም፣ እዚ ቁጠባዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን መንእሰያትን ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን። ሕልምታትን ክበጽሕዎ ዝደልይዎ ሸቶታትን ዘለዎም እያቶም፣ ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸገም ንምቅላል ናይ ኩሉ ምትሕብባር ወሳኒ ምዃኑ እቶም መምሃራን ከም ዝገለጹ ተመላኽት።