ҽ

ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ወፍሪ ምስራዝ ዕዳ ቁጠባዊ ጽገናታት ክግበር ይጽውዑ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ወፍሪ ምስራዝ ዕዳ ቁጠባዊ ጽገናታት ክግበር ይጽውዑ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ወፍሪ ምስራዝ ዕዳ ቁጠባዊ ጽገናታት ክግበር ይጽውዑ

ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንህዝቢ እግዚኣብሔር መንፈስ ኢዮቤል ክሓቁፍ ኣብ ዝጽውዓሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳን ናይ ምምላስ ጾር ንምቅላል፣ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምስራዝ ዝብል ውዕላት ክጅመር ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስራዝ ዕዳ ኣብ ዓለምለኻዊ ቝጠባ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ከምኡውን ቍጠባዊ ርግኣት ብፍላይ ከኣ ኣብተን ዘይጽወር ዕዳ ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣዝዩ ኣድላዪ ዀይኑ ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን እዛ ዓለም ዘሎ ስነ - ምህዳራዊ ዕዳ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ናይ ወጻኢ ዕዳ ይቕረ ንምባል ክሰርሕ ይጽዋዕ” ዝብል ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ጎስጓስ ምስራዝ ዕዳ ስዒቡ ኣብ ዝተበገሰ ጎስጓስ፣ ናይ ሃገራት ብምራቕ ኣፍሪቃ ጳጳሳዊ ጉባኤታት ሕብረት (AMECEA) ኣቦ መንበር ጳጳስ ቻርለስ ሳምፓ ካሶንደ ገሊጾም፣ ተልእኾ ናይቲ ወፍሪ “ኪኖ ምስራዝ ዕዳ” ዝብል ከም ዝኾነ እውን ከም ዘብርሁን፣ “ነቲ ንህዝብና ዘሳቕይ መጻወድያ ዕዳ ንምክልኻል ዝዓለመ ኩለመዳያዊ ዓለማዊ ቁጠባዊ ጽገናታት ክግብር ንደሊ። ፍትሕን ምዕሩይነትን ዝድግፍ ሓላፍነታዊ ናይ ልቓሕ ኣሰራርሓታት ንጣበቕ” ቢሎም፣ ንሕውየት ዝድግፍ ሜላታት ብህጹጽ ምሕሳብ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናብ ዘላቒ ረድኤትን ቁጠባዊ ምርግጋእን ዝወስድ መንገዲ

እዞም ዛምቢያዊ ጳጳስ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር፣ ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ኬንያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ውዕላት ዕዳ ኣብ ምቅላል ቁጠባዊ ጾር ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ገሊጾም፣ ሃገራት ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወለድ ዕዳታት ኣብ ዝቃለሳሉ ዘለዋ እዋን፡ ዳግመ ውደባ ንውዕላት ምምላስ ልቓሕ ንምትዕርራይ፡ ቁጠባዊ ጸቕጢ ንምንካይን ናብ ዘላቒ ዕብየት ዝወስድ መንገዲ ንምፍጣርን ተግባራዊ ፍታሕ ዝህብ ምዃኑ ኣጉሊሖም፣ "እቲ ናይ ዕዳ ናይ ምኽፋል ጾር ንምቅላልን ዘላቕነት ዘረጋግጽ ፍትሓዊ ኣህጉራዊ ውዕላት ልቓሕ ንምድላይን ትርጉም ናብ ዘለዎ ናይ ዕዳ ዳግመ ውደባ ዘተ ክንዋፈር ኣለና . . . ብውጽኢታዊ ጽገናታት ግብሪ ኣቢልካ ምውህሃድ ውሽጣዊ እቶት ምሕያል፡ እዚ ኣካይዳ እዚ እውን ህዝብና ናብ መንገዲ ዕብየትን ጽንዓትን ኣብ ምምላስ’ውን ኣገዳሲ ክኸውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መንፈስ ኢዮቤል ምሕቋፍ

ጳጳስ ካሶንደ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ፡ ናይ መንፈሳዊ ምሕዳስን ይቕሬታን ዕርቅን ዘመን ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ድማ በቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ኣምር (ዘሌዋውያን 25፡8-13) ዝተደፋፍአ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንናጽነት፡ ምሕረት ዕዳ፡ ፍትሒ ዘጉልሕ እዩ። “ኣብ ታሪኽን ግብረ ገባዊ ግዴታን ዝጠሓለ ኣምር ኢዮቤል ሓንጎፋይ ቢልና ንቀበሎ” ቢሎም፣ “ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትውፊት ዝብገስ ኢዮቤል በብእዋኑ፡ ብዛዕባ ምሕረት ዕዳታትን ይቕረታን ዘተሓሳስብ እዩ . . . ከም መብራህቲ ተስፋ፡ መብጽዓ ንምሕዳስን ናጽነትን፡ ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ንዝጸንሐ መዋቕራዊ ዘይምዕሩይነት ፈውስን፣ ምሕረት ዕዳታት ዓሚቝ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቃሊሖም፣ “ጾር ዕዳ፥ ድኽነት ሱር ክሰድድ፡ ዘይማዕርነት ከዕብይ እንከሎ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ክሓንቕ እንከሎ፡ ክንዋሳእ ንግደድ - ብፍላይ እቲ ‘ነጋድያን ተስፋ’ ዝብል መርሕ ቃል ዘለዎ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን። እዚ ህሞት እዚ ቁጠባዊ ስርዓታት ልዕሊ ትካላዊ መኽሰብን ዓብላልነት ኣለቃሕቲ ሃገራትን ክኸውን ዳግም ክቕረጽ ይሓትት . . . ።”

ሕድሪ ኢዮቤል ኣብ ልዕሊ ዕዳ ምስራዝ

መትከል ኢዮቤል ወትሩ ነቶም ዕዳ ክስረዝ ዝጣበቑ ምንቅስቓሳት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታውያን ጉጅለታትን ንብዙሓት ሃገራት ናይ ብሓቂ ቁጠባዊ ርግኣት ክህልወን ዝገብር ምሕረት ዕዳ፣ ንዘላቒ ልምዓት ንዝገብርኦ ጻዕሪ ድጋፍ ምዃኑ የስተብህላ . . .  “ወፍሪ ኢዮቤል 2000 ዓ.ም.፡ ንገለ ካብተን ኣዝየን ዕዳ ዘለወን ሃገራት ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ክስረዝ ብምግባር፡ ንኸም ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ትሕተ - ቅርጽን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝኸውን ጸጋታት ክህልወን ገይሩ እዩ . . . ይኹን እምበር - እቲ ዝረኸብናዮ እፎይታ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓለምለኻዊ ስርዓት ቍጠባ ጕድለታት ንምዕራይ እኹል ኣይኰነን፣ ከመይሲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ እቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ናይ ዕዳ ቅልውላው ይሳቐያ ኣለዋ። . . . ነዛ ህሞት እዚኣ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኮይንና ንኽንእከብ ዝድርኽ ከም ዓሚቝ ኣጋጣሚ ጌርና ንቀበሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Feb 2025, 17:38