ድልድላት ንምህናጽ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ዓቕለሲያዊ መርበባዊ ማሕበር ኣብ ኣሜሪካ” ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝምልከት ቲዮሎጊያዊ ጉባኤ ከም ዘአንገደን፣ እዚ ድማ ብዛዕባ መሰል ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ዘተ ኣብ ምድንፋዕ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ኤቁመናዊ ጉዕዞ፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን፤ ከምኡ’ውን ሓደስቲ ቲዮሎጊያዊ ፍጻሜታትን ዝብሉ ኣርእስታት ዝዳህሰሰ ኮይኑ፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ዝያዳ ምትሕብባር ክህሉ ዝብል ባህጎም ምላሽ ንምሃብ ናይ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣካል ክም ዝኾነን፣ "እዚ ማሕበር መራኸቢ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ናይቲ ክፍለ ዓለም ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያን እዩ” እንክብል ዓቕለሲያዊ መርበባዊ ማሕበር ሰሜንን ደቡብን ላቲን ኣመሪካ ከም ዘፍልጠን፣ እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ መንጎ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዘተ ንምትብባዕን፣ ኣብ ኣመሪካ ሓቀይና ቤተ - ክርስትያን ንምቛምን ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብቲ ካብ 6 - 9 ለካቲት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ሳንቲያጎ መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ሰፊሕ እዋናዊ ጉዳያት ዘጉለሐ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ናይቲ መርበባዊ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮም ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ናይ ዝሓቁፍ ፈደራላዊ ማሕበር (CLAR) ኣደ መንበር እናቴ ሊሊና ፍራንኮ (CLAR)፣ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፣ ኣብዛ “‘ንሰብ ዝኽሕድ መዋቕራትን ኣሰራርሓን’ ኣብ ዘለዋ ዓለም” እቲ ጉባኤ ዘካይዶ ኣስተንትኖ ኣዚዩ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጸን፣ “እቲ ጎዳኢ ዝኾነ ንምቁጽጻርን ንምጽላምን ንምግላልን ዝኣመተ ስነ ሓሳባዊ ኮኒነን፡ ተመራመርቲ ቲዮሎጊያ “ንድኻታት ሓለፋ ዝብሉን እቲ ንድኽነት ዝዳርግ ኩነታት ድማ ብቲዮሎጊያዊ ኣገባብ ኣቢሎም ንዘካይድዎ ቃልሲ መሰረት ምዃኑ ኣነጺረን፣ እዚ ድማ ናብ መዓሙቕ ምኻድ ናብ መዋቕራዉ ሱር ድኽነት ከብሉን በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሎም ድማ ድኻታት ኣማራጺ ከም ዘይኮኑ ክምስክሩ መታን እዩ . . . ስለዚ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ነዚ ንድኻታት ሓላፋ ዝብል ኣገባብ ከስፍሕዎ ከም ዘለዎም ድማ ኣስሚረን፡ “ናብ መዓሙቕ ኩነታት ማሕበረሰብን ናብ መዋቕራዊ ሱር ድኽነትን ምዃድ፡ ሓቀይና ዕድላት ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ምድንፋዕን ይጠልብ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ብራዚል ናይ ማናውስ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሊዮናርዶ ኡልሪክ ሽታይነር፣ ሲኖዳውነት ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ንጥፈታታ ዝግለጽ እዩ። መስርሕ ሲኖዶዳውነት ኣይተዛዘመን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ምእመናን “ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ኣገባብ ክጸንዑን ከዕምቑን፣” ብተሳትፎ ኩሉ፡ “ናብ ትንቢታዊ ኣተሓሳስባ ዘብጽሕ ኣውያት ድኻታትን መሬትን ንምስማዕ” ንዘተ ክፉታት ንኽኾኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መድረ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብቶም ቫቲካን ወኪሎም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ችዘርኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ዅነታት ኣማእኪሎም፣ ዝኾነ ይኹን ገበን ቤተ ክርስቲያን ትነጽጎ . . . ኮይኑ ግን "ካቶሊካዊ ትካላት ሓዊሱ ንሰባት ንኽስደዱ ዝሕግዙ ከም ገበነይናታት ንምቑጻር ኣብቲ ዞባ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት” ዘይቅብሉ እዩ እንክብሉ ኣመልኪቶም፡ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድን፡ "ምስ ስደተይናታት ሓቢርና ክንጓዓዝ ከፍራሓና የብሉን . . . መሰረትን ኣርኣያን ጉስነታዊ ጸዋዕታ ቤተ ክርስትያን ሕያዋይ ሳምራዊ እዩ! ስለዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ምሕደራ ጉዳይ ስደተይናታት ከይህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕያዋይ ሳምራዊ ተክለ ሰብነት ዝጸንዐ እዩ ቢሎም ቤተ ክርስቲያን ሕያዋይ ሳምራዊ እያ እትነብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ዋና ጸሓፊ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንላቲን ኣመሪካ ኤሚልዮ ኩዳ እውን ብወገኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ማሕበረሰባት "ዝተወደበ ተስፋ" ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም . . . እዚ ድማ “ንኹሉ ማሕበራዊ ምዕባለ ዘረጋግጽ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ መምርሕታትን ስርዓታትን ክህሉ ይሕግዝ፣” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብሓፈሻ “ህዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ መላእ ኣህጉር ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞታት ዝለዓሉ ሕቶታትን ሓሳባትን ዝድህስስ ኣህጉራዊ ቲዮሎግያዊ ዘተ” ይሰፍሕ ምህላው ከም ዘረጋገጹ የመላኽት።