ካርዲናል ኩፒች፡ ምቁራጽ ኣገልግሎት ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕ.መ.ኣ. ‘ብሓቂ ሞት ከስዕብ ይኽእል!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ካርዲናል ብላሰ ኩፒች ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፣ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ ን90 መዓልታት እቲ ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝህቦ ኣገልግሎት ከቋርጽን ካብ መንግስቲ ዝወሃቦ ምወላን ብዝሒ ሰራሕተይናታትን ክንክይ ከም ዝገበረን፣ እዚ ድማ “ነቲ ብካቶሊካውያን ዝምወል ሓዊሱ ዓለማዊ ሰብኣዊ ሓገዛትና ዘመሓድሩ መርበብ ማሕበራት ግብረ ሰናይ” ንዝተፈላለየ ጸገም የቃልዕ ምህላዉ ገሊጾም፣ ዕለት 13 ለካቲት ሓደ ፈደራላዊ ዳይና ሓድሽ ምምሕዳር ሃገሮም ዘመሓላለፎ ኣህጉራዊ ትካል ልምዓት ክዕጾ ዝብል ውሳኔ ንቅዋም ሃገርን ሕግታት ኣመሪካን ዝጥሕስ ብምዃኑ በቲ ዝወሰዶ ስጒምት ምኽንያታዊ ክሲ ምቕራብ ተኽእሎ ኣሎ እንክብል ዘቕረቦ ሓሳብ ካርዲናል ኩፒች ኣብ ዝወጽዎ መግለጺ የዘኻኽሩ።
ሓደ መንግስቲ እቲ ንማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝወሃብ ገንዘብ ንዝግባእ መደባት ከም ዝውዕል ናይ ምርግጋጽ መሰልን ግዴታን ክህልዎ እንከሎ፡ ነቲ ሓገዝ ምዕጻው፣ ስቓይ ናይቶም ብጥሜት ዝሳቐዩ፡ ግዳም ሓደርን ብሕማም ምኽንያት ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝርከቡ ድኻታትን ዘለዎም ሽግር ክውስኽ ዝገብር ምዃኑ እውን ገሊጾም፣ መንግስቲ ህይወት ዘድሕን ናይ ኣድሕን ህይወት ዕዮ ካብ ግብሪ ናጻ ከም ዝኸውን እኳ እንተ ኣፍለጠ፣ እዚ ናጻታት እዚ ግን ብውጽኢታዊ መገዲ ዝረጋገጽ ከም ዘይኮነ ኣመላኺቶም። ንኣብነት ኣህጉራዊ ሓልዮ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ህይወት ኣብ ናይ ምድሓን መደባቱ ንኸሳልጥ እዋናዊ ክፍሊት ከም ዘይህብን እዚ እውን ጉጅለታት ግብረ ሰናይ ህይወት ንምድሓን ንዘለዎም ክእለት ነባሪ ጕድኣት ከውርደሎም ዝኽል ምዃኑ ይገልጹ።
እዚ ሓደ ካብቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ ዕለት 18 ለካቲት ኣብ ልዕሊ እቲ ምምሕዳር ክሲ ንኸቅርቡ ምኽንያት ከም ዝኾኖን፣ ነቶም ተቐባልነት ዝረኸቡ፣ ብመንግስቲ ካብ ናይ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ክንክን ንኽረክቡ ዝተመደቡ ኣሽሓት ስደተይታት ንምሕብሓብ ዘሳልጦ ዕማም ቀጻልነት ከይህልዎ ዝገብር ከም ዝኾነ ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳስ ቲሞቲ ብሮሊዮ ኣቐዲሞም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣዘኻኺሮም፣ ቅድሚ 24 ጥሪ ኣብ ግብረ ሰናይ ዘውዓሎ ወጻኢታት ብድምር ኣስታት 13 ሚልዮን ዶላር ካብ መንግስቲ ክምለሰሉ ገና ይጽበ እውን ከም ዘሎ ካርዲናል ኩፒች ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።
USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ደው ምባል ንኣማኢት ሚልዮናት ዜጋታት ዝቐርብ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፣ ኣብ ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዛት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ምዕባለታት ዘዳኽም፣ ኣብዚ ወሳኒ ደገፍ ዝምርኮሱ ዞባታት ዝረኸብዎ ምርግጋእ ዝስርዝ፣ ንሚልዮናት ድማ ናብ ዝኸፈአ ድኽነትን ክሳብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ጸገማት ከስዕበሎ ኮምዝኾነ ካርዲናል ኩፒች፣ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ኣብ 200 ሃገራት ዝንቀሳቐሱ 162 ካቶሊካውያን ትካላት ረድኤት ዝሓቝፍ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሶም የዘኻኽሩ።
CRS - ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ረድኤት፥ ኣብ ዓመት ንኣስታት 210 ሚልዮን ሰባት ኣብ መላእ 120 ሃገራት ሓገዝ ዘቕርብ ከም ዝኾነን፣ እዚ ትካል ረድኤት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እውን፣ ልዕሊ ፍርቂ ናይ ሓገዝ ወጻኢታቱ ካብ ውዕላት USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ እዩ፣ ሰለዚ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነቲ ናይቲ ካቶሊካዊ ትካል ረዴኤት ክህቦ ዝኽእል ሓገዝ ብፍርቂ ዘጉድል ምዃኑ ይሕብሩ።
CRS - ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ረድኤት ካብ USAID - ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝረኽቦ ሓገዝ፣ ዘላቒ ልምዓት ንኽህሉ ንዘሳልጦ መደብ ረድኤት ንኸሳልጥ ዘኽእሎ ከም ዝኾነን፣ ንምዕባለ ሰባት ዘድሊ ሓገዛት ዝሽፍንን ዘወሃህድን ኮይኑ፡ መግቢ፡ ጥዕና፡ መነባብሮ፡ ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ማይን ኣገልግሎት ጽሬትን፡ ምዕባለ ህጻናት፡ ተበጻሕነት ርእሰማልን ህንጸት ሰላምን ዘውዕሎ ምዃኑ ካርዲናል ኩፒች ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።