ካርዲናል ኣሜዩ ቤተ-ክርስትያን ሱዳን ብሓባር ዕቤትን ቀጻልነትን ክትደሊ ተማሕጺኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ-ጳጳሳት ጁባን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝኹኑ ብፁዕ ካርዲናል ኣሜዩን ኣብቲ ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ጉባኤ ጳጳሳት ፍሉይ ኣኼባ፣ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብታ ሃገር ዜጋጥም ዘሎ ህጹጽ ብድሆታት ንምፍታሕ ምትሕብባርን ሓድነትን ከም ዜድልዮም ኣጕልሑ።
ብፁዕ ካርዲናል ኣመዩ ኣብቲ ብ18 ለካቲት ዘቕረብዎ መኽፈቲ መደረ እታ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ነቲ ኣድላዪ ኩነታት ብውጽኢታዊ መገዲ ምላሽ ክትህበሉን፣ ንህዝባ ኽትድግፍን እትኽእል ብሓባር ብዝግበር ጻዕርን ሓባራዊ ቘራጽነትን ምዃኑ ኣመልከቱ።
"ኣብዚ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆታት ንማሕበረሰብና ኣብ ምጕሳይ ዘሎና ኣገዳሲ ግደ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ናይ ሓድነትን ናይ ምትሕብባርን መንፈስ ኢና ክንለብስ ዘሎ" በሉ። ኣብቲ ጉባኤ ዝተገብረ ዘተ ነቲ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንዕቤትን ቀጻልነትን ቤተ-ክርስትያን ኣድላዪ ዝዀነ እተፈላለየ ኣገዳሲ ስጕምትታት ከተኵር ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ።
ብፁዕነቶም ኣስዒቦም እቲ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ንዘስዕቦ ዘሎ ቍጠባዊ ጸገማትን ከምኡውን ማሕበራዊ ምክፍፋላትን ካብ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ጽኑዕ ምላሽ ከም ዘድልዮ ውን ተላበዉ።
"ቤተ-ክርስትያን መንፈሳዊት ትዅንን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን ኣቃውማ ማሕበረሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዋ ኢያ" በሉ።
ተጸምዶ ንውጽኢታዊ ኣገልግሎት
ሊቀ-ጳጳሳት ጁባ ዝሓለፈ ሰሉስ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን፣ ቤተ-ክርስትያን ካብቲ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ሓድነት ወሳኒ ጕዳያት ንምፍታሕ ዝገበረቶ ደገፍ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ከም እተጠቕመት ውን ሓበሩ። ስለዚ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ምትሕብባር ወግዓዊ ብምግባር ነቶም ምእመናን ብዝሓሸ መገዲ ንኸገልግሉን ነቶም ከቢድ ብድሆታት ዘጋጥሞም ዘሎ ማሕበረሰብ ሓባራዊ ረብሓ ንኽረኽቡን ክሕግዞም ከም ዝኽእል ገለጹ።
ካርዲናል ኣሜኡ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ ሓድነት "ኣብ መንጎ ኣንስትን ሰብኡትን ሃይማኖታውያንን ምእመናንን ኣብ ደቡብ ሱዳን ንድኻታት ኣብ ምግልጋል ሓድሽ ኣንፈት ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ከም ዘድልዮምን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዚነብሩ ሰባት ከኣ መምህራን ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕናን ሓረስቶትን ከምኡ ውን ወኪላት ጓሶት ነፍሳቶም ናይ ምዃን ተኽእሎ ኸም ዘለዎም" ኣመልከቱ።
"ሓደ ኻብቲ ኣባኡ እተኻየደ ኣገዳሲ ዘተ እቲ ምስ ሓድነት እተተሓሓዘ መምርሒታትን ስምምዓትን ምኽታም ኢዩ ዝነበረ። እዚ ምሕዝነት እዚ ነቶም እነገልግሎም ማሕበረሰባት ዘሎና ደገፍን ሓድነትን ንኸነመሓይሽ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልና ኢዩ " ውን በሉ ። "ሓድነት ብፍላይ ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣገዳሲ ጕዳያትን ኣድላዪ ኩነታትን ንምፍታሕ ኣብ ጐድኒ ቤተ-ክርስትያን ኮይና ንጕዓዝ ከም ዘሎና እነረጋግጸሉ ኢዩ።"
ሥነ መዕበያ ኣብ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት
ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንቤተ-ክርስትያንን ንማሕበረሰብን ብተወፋይነት ንምግልጋል፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዝተመዛበሉ ንምግልጋልን ዘለዋ ተልእኾ ብምድልዳል፣ ንክህነት ንዝሰናደዉ ምሉእ ብምሉእ ንኽዳለዉ ተወፋይነት ከም ዝህልዎም ንምግባርን ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።
"ሥነ መዕበያ ናይቶም ኣብ መጻኢ መራሕትና ዝኾኑ ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና ቅዱስ ግዴታና ኢዩ" ውን በሉ። "ስለዚ ኣብ ሥነ መዕበያ ናይ መጻኢ ካህናት ምውፋር ኣብ መጻኢ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝግበር ወፍሪ እዩ። ዘርኣ ክህነታት ነቲ ንማሕበረሰብና ዜድልዮም መንፈሳውን ተግባራውን ነገራት ንምምላእ ድሉዋት ኪዀኑ ኣለዎም።"
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ኣሜዩ ብፁዓን ጳጳሳት ሱዳን ንዕቤት ቤተ-ክርስትያን ንምድንፋዕ ብሓባር ክዓዪ ተማሕጸንዎም።
"ሓባራዊ ስጕምትና ንመጻኢ እታ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘላ ቤተ-ክርስትያንና ኣድላዪ ኢዩ፣ ብሓባር ኴንና ድማ ንማሕበረሰብና ዘድልዮም ነገራት ብውጽኢታዊ መገዲ ምላሽ ንኽንህብን ናይ ምትሕብባርን ቈራጽነትን መንፈስ ከነሕድር ንኽእል ኢና" በለ።