ካርዲናል ኣምቦንጎ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናይ ሰላም ዘተ ከረጋገጽ ጻውዒት የቕርቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ብዛዕባ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ቅልውላው ብዝምልከት ዝተኻየደ ህጹጽ ዋዕላ ስዒቡ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ምስ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ህጹጽ ዘተ ክህሉ ኣለዎ እንክብል እቲ ዋዕላ ዘቕረቦ ሓሳብ ምሉእ ብምሉድ ድጋፎም ይገልጹ።
ናይ ኪንሻሳ ሜጥሮጶሊታ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ እዋኑ ነቲ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዓመጽ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ሓድሽ ናይ ዘተ ውጥናት ዝጠልብ ህጹጽ ግዜ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መጥቃዕቲ ኤም - 23 ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ እቶም ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ኤም - 23፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ልዕሊ 100 ዕጡቓት ጉጅለታት እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ ነቲ ብጸጋታት ተፈጥሮ ኣዚዩ ሃብታ ዝኾነ ምብራቓዊ ዞባ ኮንጎ ንምቁጽጻር ብዝፍጽሞ ዘሎ መጥቓዕቲ፣ ናይቲ ዞባ ማእከል ከተማ ጎማ ከም እተቖጻጸረን፣ ኣስዒቡ እውን ናብ ደቡባዊ ዞባ ኪቩ ገጹ ይምርሽ ምህላዉ ይንገር።
ነቲ ናብ ዞባዊ ግጭት ክሰጋገር ዝኽእል ቅልውላው ንምህዳእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፣ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 8 ለካቲት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓባራዊ ዋዕላ ዞባ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ከም ዘካየዱን፣ ኣብ ታንዛንያ ዳር ኤል ሳላም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ሸሞንተ ሃገራት ዝሓቖፈ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃን 16 ኣባላት ዝሓቖፈ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡብ ኣፍሪቃን ኩሎም ወገናት ቀጥታዊ ዘተ ከካይዱ ኣተሓሳሲቡ። ንኤም - 23 ልኡኽ ሩዋንዳ እዩ ኢሉ ዝኸስስ መንግስቲ ኮንጎ ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ታንዛንያ ዳር ኤል ሳላም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተመሓላለፉ ውሳኔታት ኣቓልቦ ከምዝሃበሉ ኣፍሊጡ።
ካርዲናል ኣምቦንጎ፡ ዘተ እቲ እንኮ መገዲ እዩ!
ካርዲናል ኣምቦንጎ ሰንበት ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ከቢድ ናይ ምብትታን ሓደጋ ትርከብ ኣላ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ "ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ምይይጥ ልምዲ ብምስዓብ፣ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ጸገማት ንምፍታሕ ክሰማምዕ ኣለዎ" ቢሎም፣ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኮንጎ እተገብረ ሃገራዊ ዋዕላ ጳጳሳት ኮንጎን ቤተ - ክርስትያን ክርስቶስን ዘቕረብዎ ናይ ሓባር መርሓ ፍኖት ብምዝካር፣ እቲ መርሓ ፍኖት ነቲ ኣብታ ሃገር ንሰለስተ ዓመት በርቲዑ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ደው ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ ካርዲናል ኣምቦንጎ ገሊጾም፣ "ንሃገርና ኸነድሕን እንተ ደሊና ደጊም ግዜ ኣይነጥፍእ" እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዘተ እቲ ቅዱስ ቃል እዩ፣ ካብ ህሉው ኩነታትና ክንወጽእ ክሕግዘና ዝኽእል እንኮ ባይታ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህጹጽ ዋዕላ ኣፍሪቃ ኣብ ዳር ኤል ሳላም
ብመሰረት እቲ ናይ መወዳእታ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ዋዕላ ብፍሉይ፣ ተጻብኦታት ደው ክብልን ቅልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ክብልን ሓቲቱ፣ እዚ ድማ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ውድባት ከኽብርዎ ዘለዎም ውሳኔ ምዃኑ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብተወሳኺ መዓርፎ ነፈርቲ ጎማን ቁልፊ መስመራት ቀረብ መሬትን ቀላይን ብምኽፋት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ከምኡ’ውን ዝሞቱ ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብግቡ ሓመድ ኣዳም ክለብሱን ውጉኣት ክወጹን ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዋዕላ ዝተመልከቱ ካልኦት ውሳኔታት፡ ንከተማ ጎማን ከባቢኣን ዝምልከት ውጥን ጸጥታ ምድላው፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ኣኼባ ሓለፍቲ ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃን ናይ ማሕበረሰብ ልምዓት ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምጽዋዕ፡ ተግባራውነት እቲ ዝተሰማምዑሉ ስጉምቲ ምርግጋጽ፤ ኣብ መንጎ መስርሕ ሰላም ናይሮቢን ሉዋንዳን ዘሎ ምውህሃድን መዋቕራዊ ምምልላእን ምሕያል፣ ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ዞባታት ኣፍሪቃ ዝመጹ ነቲ ዘሎ ዓመጽ ኣብ ምብዳህ ኣበርክቶ ክህልዎም ዝኽእሉ ንኽልቲኡ መስርሓት ኣብ ምውህሃድ ዝሕግዙ መራሕቲ ኣብቲ ናይ ሰላም መስርሕ ክዋስኡ ዝብሉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ብሁቱ ዝምራሕ ግንባር ሓርነት ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሩዋንዳ፣ ዘካይዶ ናይ ምክልኻል ስጉምትታቱ ኣልዒሉ፣ ብመሰረት መስርሕ ሉዋንዳ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ መሬት ኮንጎ ናይ ምስሓብ ውጥን ከዳሉ ጸዊት ዘቕረበ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናይ ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ ኣኼባ ሚኒስተራት ብምክያድ፣ ነዚ ኩሉ ውሳነታት ክግምግምን ክድግፍን ይሓትት። መንግስቲ ኮንጎ ብወገኑ ዕለት 9 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተመልከቱ ውሳኔታት ኣቃልቦ ከም ዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው
ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተራእየ ሓድሽ ምልዕዓል ውግእ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ከም ዘቃለዔን ካብ መረበቶም ከምዘመዛበለን፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ድሕሪ ምሓዝ ከተማ ጎማ፡ ብጉጅለ ዓማጽያን ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ሓዊሱ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምዝተፈጸመ ክሕብር እንከሎ፣ ኣባላት ዓመጻያን ኤም - 23፣ ወተሃደራት ኮንጎን ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ምልሻታትን ኣብዚ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ ይሕብር።