ҽ

ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ምእንቲ ሰላም ኣብ ደ.ረ.ኮ. ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ክፋላት ኣፍሪቃን ጻውዒት ጾምን ጸሎትን ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ምእንቲ ሰላም ኣብ ደ.ረ.ኮ. ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ክፋላት ኣፍሪቃን ጻውዒት ጾምን ጸሎትን 

ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ምእንቲ ሰላም ኣብ ደ.ረ.ኮ. ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ክፋላት ኣፍሪቃን ጻውዒት ጾምን ጸሎትን

ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣብታ ኣህጉር ዝርከብ ሕብረተሰብ፣ ነቲ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኣፍሪቃን ኣብ ደ.ረ.ኮንጎ ዚርአ ዘሎ ቐጻሊ ግጭታት ደው ክብልን፣ እግዚኣብሔ ነቶም ውጹዓት ከጸናንዖምን ምትእትታው ክገብርን ካብ ዕለት 3 – 5 መጋቢት 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝጸውዕዎ መደብ ጾምን ጸሎትን ኪሓብሩ ይሓቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደ.ረ.ኮ. እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ዘይምርግጋእን፣ ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ኣብታ ኣህጉርን ደሴታታን ዝርከቡ ክርስትያንን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ጾምን ጸሎትን ክተግሁ ጳጳሳት ኣፍሪቃ ተላብዮም፣ እዚ ጻውዒት ብሩዋንዳ ዝድገፉ ዓመጽቲ ኤም - 23 ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ቡካቩ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ዘቕረብዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀዋሚ ሽማግለ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣክራ ጋና ኣብ ዘካየድዎ ዓመታዊ መደበይና ኣኼባኦም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ኣፍርቃ ብሰንኪ ሃብታም ጸጋታት ዘጋጥማ ዘሎ ቀጻሊ ምፍሳስ ደም ኮኒኖም፣ በቲ ግጭት ንዝተጎድኡ ሰባት ተስፋ ኣብ ምምጻእ ሓይሊ እምነትን ምትሕግጋዝን የጉልሑ።

“እቲ ብሓቂ ምንጪ ምዕባለ ክኸውን ዝግብኦ ሃብታም ዕቑር ማዕድናት ኣፍሪቃ፡ ምንጪ ግጭት ኮይኑ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ነዚ ጸጋታት ናይ ምቁጽጻርን ምምዝማዝን ድሌት ዘለወን ሓያላት ሃገራትን ዓበይቲ ህብረ ትካላትን ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (ዲ.ኣር.ሲ)፡ ናይጀርያ፡ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን ወዘተ ንዝርከቡ ዕጡቓት ውድባት ንምምዋል ዝድርኾም ኮይኑ፣ በዚ ድማ ዓመጽ፡ ምዝንባልን ዘይምርግጋእን የቕጽል” እንክብሉ ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዕለት 14 ለካቲት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣቦ መንበር ካርዲናል ኣምቦንጎ በሱንጉ ክታሞም ዘንበርሉ መግለጺ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ንጸሎት

ጻውዒት ጸሎት መለኮታዊ መርሕነትን ሓድነትን ሓይልን ከምዘድልየና መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል። ካርዲናል ኣምቦንጎ ብስም እቶም ጳጳሳት፣ “ኩሎም ምእመናን ንጸሎት ግዜ ክውፍዩ ንላቦ፣ ጐይታ ነቲ ውግእ ሱቕ ከብሎን መወዳእታ ክገብረሉን፣ ንዝሳቐዩ ከጸናንዕ፣ ንመራሕትና ናብ ፍትሕን ዕርቅን ክመርሕ ክንልምኖ” ንላቦ። ኣብ ኣፍሪቃ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሃገረ ስብከትን ሰበኻን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ነፍሲ ወከፎም ከከም ናይ ከባቢኦም ልምድታትን መሳለጥያታቶምን ካብ ዕለት 3 – 5 መጋቢት 2025 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ሳልስቲ ጸሎትን ጾምን ክጥርነፉ ይዕድሙ።

“ኩላትና ንሰላም ብትግሃት ኣብ እንሰርሓሉ እዋን እውን እንተኾነ እግዚኣብሔር ኣውያት ህዝቡ ከም ዝሰምዕ ብምትእምማን ብሓደነት ናብኡ ድምጽና ነልዕል . . . ጐይታ ንምብራቕ ኮንጎን ንኹለን ካልኦት ሃገራትን ኩለን ብግጭት ዝሳቐያ ዞባታት ሰላሙ ይጸግወን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ህዝቡ ዘይርስዕ ኣምላኽ

መራሕቲ እምነት ምስቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ኣህጉር ዝተጎድኡ ሰባት ብምትሕብባር ወትሩ ኣብ ጎኖም ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ንግዳያት ስቓዮም ከም ዝረአ፡ ድምጾም ኣገዳሲ ምዃኑ፣ ተስፋ ከም ዘይትሕፍር የዘኻኽሩ። ኣብቲ ዝጸልመተ እዋን’ውን እንተኾነ፣ ተግባራት ርህራሄ፣ ጸሎት፣ ጾምን ኣህጉራዊ ደገፍን ከም መብራህቲ ጽንዓት ኮይኖም የገልግሉ። እዚ ድማ ኣብ ቃልሲ ሰላምን ክብርን ዝኾነ ይኹን ሰብ በይኑ ከም ዘይኮነ ዘረጋግጽ እዩ።

“ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣህጉርና ብዝተፈጥረ ግጭታት፣ ዓመጽ፣ ህልቂትን ዘይምርግጋእን ዝጻወርዎ ዘለዉ ዘይተኣደነ ስቓይ ኣፍልጦ ንህብ። ንኹሎም ኣብ ሓዘንን መከራን ዝርከቡ፣ “ከም ዘይርስዑ” ነረጋግጸሎም። ቤተ ክርስቲያን ኣብ በይኖም ኣይትሓድጎምን እያ። ምሳኻትኩም ደው ኢልና ንጽልየልኩም፡ ናይ ፍትሒ፡ ሰላምን ዕርቅን ጻውዒትና ቀጻሊ ምዃኑ ነረጋግጸልኩም”፣ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ንጸጋታት ኣፍሪቃ ንኽምዝምዙ ንዝዋፍሩ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ  ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ኪንሻሳ ዲ.ሪ.ኮ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኢድኩም ካብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣልዕሉ! ኢድኩም ካብ ኣፍሪቃ ኣልዕሉ! ኣብ ኣፍሪቃ እትካይድዎ ማሕነቕቲ ኣቋርጹ፣ ኣፍሪቃ መሬት ዝቕንጥ ዕደና ወይ ክዝመት ዘለዎ መሬት ኣይኮነትን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወኪሶም፡ ኢድኩም ካብ ኣፍሪቃ ኣልዕሉ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሽግር እዋን ናይ ተስፋ ጉዕዞ

ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ከም ነጋድያን ተስፋ ኣብ ዝገብርዎ ቅዱስ ጉዕዞ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ መብጽዓታት እግዚኣብሔር ክውከል፣ ንኻልኦት ድማ ብርሃን ንኽኸውን ጻውዒት እዩ። ብመንፈስ ሲኖዳውነት ብሓንሳብ እንመላለሰሉ እዋን፡ ጾር ድኻም ተሰኪምና፡ ንዝወደቐ ልዕል ኣቢልና፡ ኣብ መንጎ ፈተና ጸጋ እግዚኣብሔር እናደመቐ ናብ ምሕዳስን ሓድነትን ከም ዝመርሓና ብምእማን . . . ዝበሉ ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣስዒቦም፣ ህዝበ እግዚኣብሔር መሳርሒ ሰላም ብምዃን “ካብ ምፍልላይ ዘተ፡ ካብ ጽልኢ ፍቕሪ፡ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ድማ ተስፋ ክመርጹ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ዝኾነ ሰብ በይኑ ደው ክብል ኣይክእልን፤ ብክርስቶስ ሓደ ኣካል ኢና። ከም ጓሶት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ቅርጻታት ሕብረት ንምድልዳልን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብና ድምጺ ሓቅን ፍትሕን ተስፋን ኮይና ክትቅጽል ቃል ንኣቱ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Feb 2025, 16:55