ҽ

ጸሎት ምንቲ እተን ኣብ ናይጀርያ ዝተጨውያ ክልተ ደናግል ጸሎት ምንቲ እተን ኣብ ናይጀርያ ዝተጨውያ ክልተ ደናግል  

ጸሎት ምንቲ እተን ኣብ ናይጀርያ ዝተጨውያ ክልተ ደናግል

ዕለት 8 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ኣብ ናይጀርያ ዕጡቓት ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ሰሜን ኦሩምባ ክልተ ደናግል ከም ዝጨወዩ ካብ ናይጀሪያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊት ማሕበር ደናግል ንጹህ ልቢ ማርያም ኣደ ክርስቶስ እናቴ ማርያ ሶቤና ኢከኦቱነየ በዚ ዘሕዝን ፍጻመ ምጭዋይ ክልተ ደናግል ክጽለ ጻውዒት ከም ዘቕረባን እተን ግዳያት ክልተ ደናግል እናቴ ቪንሰንዝያ ማርያ ንዋንክዎን እናቴ ግሬስ ማሪየት ኦኮሊን፡ ኣብ ኦግቦጂ ዛዕባ ሞያዊ ኣገልግሎት ጸዋዕታ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፈን፡ ዕለት 8 ጥሪ ናብ ቤት ማሕበረን ንኽምለሳ ኣብ መንገዲ ኡፉማ እናተጓዕዛ እንክለዋ ብጉጅለ ዕጡቓት ከም እተጨወያ ናይ ናይጀሪያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥ “እናቴ ቪንሰንዚያ ማርያ ርእሰ መምህር ናይቲ ኣብ ኡፉማ ዝርከብ ‘ሊቀ ጳጳሳት ቻርለስ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ክኾና እንከለዋ፡ እናቴ ግሬስ ማሪየት ድማ ኣብ ንነዊ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርት ደቂ ኣስንትዮ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም መምህር ከም ዝኾና ኣመላኺቱ፥ ንኽልቲኤን ዝተጨወያ ደናግል ካብ ኢድ ጨወይተን ናጻ ክልቐቓ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ደናግል ንጹህ ልቢ ማርያም ኣደ ክርስቶስ እናቴ ማርያ ሶቤና ኢከኦቱነየ ጻውዒት ኣቕሪበን ኩሉ ምእንቲ እዚ ኣብ ጸሎት ክሓብር ከም እተማሕጸና ኣፍሊጡ።

10 Jan 2025, 17:03