ፍራንቸስኮ ናብ ርእሰ ብሔር ዛምብያ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ዛምቢያ ሊቀ ጳጳሳት ጃንሉካ ፐሪቺ ዕለት 31 ታሓሳስ ኣብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ምስ ርእሰ ብሔር ዛምቢያ ሂቺለማ ከም እተራኸቡን ርእሰ ብሔር እታ ሃገር እቲ ምብጻሕ፥ ምስ ዕላማታት ምንካይ ዕዳ ዛምብያን ቁጠባዊ ምሕዋይን ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምጥቃስ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ እዚ እተህቦ ኣገልግሎትን እተመሓላልፎ ጻውዒትን ኣፍልጦ ከም ዝሃበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣበርክቶ ቤተ ክርስትያን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዓለም ዘለወን ናይ ወጻኢ ዕዳ ክስረዝ ከይተሓለሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒትን ኣብዚ መዳይ ንዘለዎም መሪሕነትን ኣመግሲኖም፥ ንዝገበርዎ መሪሕነት . . . ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ብዙሓት ትሑት እቶት ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናይ ዕዳ ጭንቀት ኣጋጢምወን እዩ እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምታው ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ሃገራትን ህዝበንን ዘለዋ ሓልዮት መዳርግቲ ከም ዘይብሉ የረጋግጹ . . . እቲ ዛምቢያ ትረኽቦ ዘላ ደገፍ ኣካል ናይቲ ዛምብያ ኣብ ውሽጢ ማዕቀፍ ጉጅለ 20 ሃገራት ዕዳኣ ክስረዝ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ምዃኑ ብምምልካት ምምሕዳሮም ካብ ምንካይ ዕዳ ዝረኸቦ ሃብቲ ገንዘብ ንስልታዊ መምርሕታት ወፍርን ኣህጉራዊ ንግዳዊ ሽርክነትን ንምጥቃምን ልምዓት እታ ሃገር ንምድንፋዕ ዘውዕሎ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ የረጋግጽ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ምስ ሃይማኖታዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብቐረባ ንምስራሕ ዘለዎ ተወፋይነት ኣስሚሩ፣ ኣብ ዛምብያ ኣብ ትምህርቲ፣ ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ድሕነትን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዋ ገሊጹ። ምስ ሃይማኖታዊ ኣካላት ናይ ምትሕብባር ንኹሉ ዝሓቁፍ መምርሒ ሰናይ ህይወት ዜጋታት ንምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የመልክት።
ፍሉይ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፐሪቺ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ርእሰ ብሔር ሂቺለማ ዝተላእከ ፍሉይ መልእኽቲ ከም ዘረከቡን፡ ብመንጽር እቲ መልእኽቲ እቲ ዕለት 01 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም፥ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ዛምብያን ምትሕብባር ዘተባብዕ እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ዛምብያን ዝያዳ ድልዱል ርክብ ክህሉ ጸዊዖም፥ ርእሰ ብሔር ዛምቢያ ስለ እቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተመሓላለፈሎም መልእኽትን ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዕኦምን ኣባላት መንግስቶምን ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ብምዝካር ከም ዘመስገኑን ኣብቲ ድሒሩ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ዛምብያ ሙላምቦ ሃይምበ ወሲኾም፡ እቲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛምብያ ምስ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስነ ሜላዊ ክሊኣዊ ርክብ ዘንጸባርቕ እዩ ከም ዝበለን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር ዛምቢያን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ዝምድናን ካብ ዝምስረት ለምዘበን 2025 ዓ.ም. መበል 60 ዓመት የቑጽር ምህላዉ እውን ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።