ҽ

2025.01.30 Consecrazione Patriaca di Eritrea 2025.01.30 Consecrazione Patriaca di Eritrea 

ሥርዓተ ቅብኣት ሻድሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 26 ጥሪ ሻድሻይ ፓትርያክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ተቐቢኦም፤ ኣብቲ እተኻየደ ሥርዓተ ሲመት ካብ እተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ላዕለዎት ተወከልቲ ኣሓት ጸብሓውያን ኣብያተ ክርስቲያንን፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ከም እተሳተፉ ውን ተፈሊጡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሻድሻይ ፓትርያርክ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባሲልዮስ ቀዳማዊ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብታ ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቤተክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ተቐቢኦም። ኣብቲ እተኻየደ ሥርዓተ ቅብኣት፣ ተወከልቲ ናይ ጸብሓውያን ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ግብጺ፡ ሩስያ፡ ግሪኽ፡ ኣርመንያ፡ ሶርያን ህንዲን፣ ከምኡ ውን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምእመናን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወከልትን፣ ተወከልቲ ሃገረ ስብከታትን ተሳቲፎም።

ርእሰ ብሔር ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን፡ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን፡ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ኣካላትን፡ ተወከልቲ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዓበይቲ ገዳማትን ከምኡ ውን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያምን ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራን፣ ፕረዚደንት ሊተራዊት ወንጌላዊት ቤተክርስቲያንን፡ ተወካሊ እስላማዊ ቤትጽሕፈት ሙፍትን ኣብቲ እተኻየደ ሥርዓተ ሲመት ከም ዝተሳተፉ፣ እቲ ሎ’ኦዘርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባሲልዮስ ቀዳማዊ ብመሰረት ሕግታትን ስርዓትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትርራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 9 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ እተኻየደ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ሻድሻይ ፓትርያርክ ኰይኖም ተመርጹ።

30 Jan 2025, 13:44