ቃለ መሕትት ምስ ካብ ሓላፍነቶም ዝሰናበቱ ዘለዉ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪል ኣብ ሮማ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳሳት ኢያን ኤርነስት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ውልቃዊ ወኪልን ሓላፊ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማእከል ኣብ ሮማን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ካብ ሓላፍነቶም ዝሰናበቱ ዘለዉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ኣብ ሮማ ዘሕለፍዎ ግዜ፡ ከምኡ’ውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ብሓባር ኣብ ዓለም መብራህቲ ተስፋ ንኽኾኑን ርክባት ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምድልዳል ዘካየድዎ ኣገልግሎት ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም።
ኣብ ሮማ
ሊቀ ጳጳሳት ኤርነስት “ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ንክህሉ ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ኣካል መንነቶም” ምዃኑ ሓቢሮም፥ ኣብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ከም ኣተማሃሩን፣ ኣቡኦም ድማ – ኣንግሊካዊ ካህን ከም ዝነበሩን ኣብ መንጎ ኣቦኦምን ናይቲ ካቶሊካዊ ቤተ ትምህርቲ ቤተ ጸሎት ሓላፊ ካህን ዝነበረ ዕርክነት ዘኪሮም፥ ኣብ ሞሪሸስ ናይ ዘርኣ ክህነት ተማሃራይ እንከለዉ ድማ ንሓደ ዓመት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍልስፍና ከም እተመሃሩ እውን ገሊጾም፡ ከም ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ባዕሎም ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ሮማ ውልቃዊ ወኪሎም ንኽኾኑ ከም ዝመዘዝዎም እውን ይዝክሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዕማም ብሓገዝ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝከኣል ተረዲኦም “ኣብዚ ክገብሮ ዝጸናሕኩ ኩሉ፡ ኣብ መንጎ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣንግሊካዊትን ንሓድነት ዝግበርብ ርክብን ንምድልዳል ዘማእከለ ምንባሩን እዚ ድማ ብጸጋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝከኣል . . . ይብሉ።
ፍራንቸስኮን ጃስቲን ዌልቢን
ሊቀ ጳጳሳት ዌልቢ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ዝተሓረይሉ ዓመት ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕርየተ ዓመት ዝተታሓሓዘ እዩ ነይሩ፡ ክልቲኦም ኣብ ሓደ ዓመት ዝተሓርዩ ከም ዝኾኑን ኣብ መንጎ ሊቀ ጳጳሳት ወልቢን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዘሎ ዕርክነት እውን ይዝክሩ።
ኣብ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ውህደት ኣንክግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልቢን ናይ ስኮትላንድ ቤተ ክርስቲያ ኣወሃሃዲ መጋቤ ኢያን ግሪንሺልድስ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓባራዊ “ንግደት ሰላም” ከም ዘካየዱን እውን ዘኪሮም፥
“ከም ውልቃዊ ወኪል ናይ ውህደት ኣንግሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት፡ “ንሊቀ ጳጳሳት ወልቢን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ብሓባር መብራህቲ ተስፋ ምእንቲ ክኾኑ፡ ነዚ ዝሕግዝ ራእይ ኣብ ምልላይ” ከም ዘገልግሉ ገሊጾም፥ ሊቀ - ጳጳሳት ኤርነስት እቲ ብሓባር ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ጕዕዞ "ነዚ ተስፋ እዚ ዜርኢ ጭቡጥ ኣብነት" ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣብያተ - ክርስትያን "ንጥቕሚ መንግስቲ ኣምላኽ" ተባሂሉ እተገብረ "ዚርአ ምትሕብባር" ምዃኑ ገሊጾም፡ ሊቀ - ጳጳሳት ኤርነስት ነዚ ናይ ሓባር ንግደት እዚ ስም ክህቦ እንተድኣ ኮይነ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ናይ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ኣሃው ኩልነ’ ዝብል ኣርእስቲ ምተጠቀምኩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሕድሪ ሊቀ ጳጳሳት ዌልቢ
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ሊቀ ጳጳሳት ዌልቢ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ታሪኻዊ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ብዝምልከት ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝለቐቑ ሓቢሮም፥ ሊቀ ጳጳስ ኤርነስት ብዛዕባ እቲ ዌልቢ ዝሓደግዎ ሕድሪ ዝምልከት፥ ሓደ ዓቢ ባእታ ኣብ ኣድላይነት ዕርቂ ምስ ኣምላኽ ይኹን ምስ ካልኦት ምትኳሩ ክኸውን እዩ እንክብሉ ብምምልካት፥
"ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ተዓሪቕና ኢና፡ ብደም ክርስቶስ ድማ ንሓድሕድና ተዓሪቕና ኢና። እዚ ናይ ኣግልግሎት ሊቀ ጳጳሳት ዌልቢ ሓዋርያዊ ጉስነት ከም ዝነበረን ካልእ ዓቢ ባእታ ሊቀ ጳጳሳት ኤርነስት ከም ዝበልዎ፡ ሊቀ ጳጳሳት ዌልቢ “ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ ኣብ ተልእኾ ክትህሉ ከምዘለዋ” ምጉላሕ እዩ።
ተኸታሊ ዌልቢ ከም ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ኤርነስት፡ ኣብዚ ኣገልግሎቶም እዚ በቲ ሓደ ሸነኽ ቀጻልነት ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ምርግጋጽን በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ "ምስቲ እንነብረሉ ዘሎና ማሕበራዊ ኵነታት ምርኻብን ዝብል ኢዩ። እዚ "ከቢድ ኣገልግሎት እዩ፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ኵላትና ሓላፍነት ኣሎና" ብምባል ኣጒሊሖም፥ "ሓኪም ንሰባት ዝፍውስ፡ መምህር ንቆልዓ ዝምህር፡ ወለዲ ኮታ - ኩላትና ከቢድ ዕማም ኣሎና። እቲ ዘድልየና ጸጋ ኣምላኽ ኣባና ክውሕዝ፡ ንሱ ድማ ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ጸጋ ኣምላኽ ዝመርሓና ክኸውን እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።