ҽ

Former Bangladesh Rifles members protest in Dhaka Former Bangladesh Rifles members protest in Dhaka  (ANSA)

ጳጳሳት ባንግላደሽ መንግስቲ ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋታት 'ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ' ይብሉ

ተራዳዊ ጳጳስ ሰበኻ ዳካ ብፁዕ ኣቡነ ሳብሮቶ ቦኒፌስ ጎምስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባንግላድሽ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋ ምግቢ መግለጺ ኣውጽኡ ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓድሽ መንግስትን ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ባንግላደሽ ዝርከቡ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ኣብ 2025 ቅዱስ ዓመተ ኢየቤል ብኸመይ ዘኽብርዎን ውን ኣመልኪቶም።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ተራዳዊ ጳጳስ ሰበኻ ዳካ ርእሲ ኸተማ ባንግላደሽ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኣብታ ሃገር ንህይወት ዜድሊ ወጻኢታት ንምሽፋን "ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ" በሉ።

ኣቡነ ሳብሮቶ ቦኒፋስ ጎምስ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ኣብ ባንግላደሽ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ዋጋታት ምግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን "ብርቱዕ ወሰኽ ከም ዝኾነን" ወሲኮም ድማ "ንህዝቢ ኸቢድ ውጥረት" ኣስዒቡሎም ከም ዘሎን ኣመልከቱ።

ብፁዕ ኣቡን ጎምዝ ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ምእመናን ኣብ ዕዳጋታት ናይታ ርእሲ ኸተማ አረ ስጋ ዓሳ እንቋቝሖ እውን ከይተረፈ ምዕዳግ ከቢድዎም ከም ዘሎ ኢዮም ዘማርሩ። "ስድራ ቤታት ከመይ ገይረን እየን ገዛእ ርእሰን ከናብራ ዝኽእላ?" ክብሉ ውን ዘለዎም ስክፍታ ገለጹ።

ብፁዕ ኣቡን ጎምዝ በቲ ሓድሽ መንግስቲ ባንግላደሽ "ውጽኢታዊ ስጕምቲ" ኽውሰድ ጻውዒት ብምቕራብ፣ እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ዋጋታት "ሓደ ኻብቲ ኣብታ ሓዳስ ዓመት ዝቐርበልና ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ጕዳይ ኢዩ" በሉ።

ምስ መንግስቲ ዩኑስ እተገብረ ርክብ

ካብ ወርሒ ነሓሰ 2024 ኣትሒዙ ነበት ቀዳማይ ሚኒስተር ሼኽ ሃሲና ናብ ህንዲ ድሕሪ ምህዳማ ከም ግዝያዊ መንግስቲ እታ ሃገር መሓመድ ዩኑስ ኰይኑ ኣሎ።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስቲ ሓድሽ መንግስቲ ዩኑስ ዘለዋ ርክብ "ጽቡቕ" ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ጎምዝ ብምምልካት ወሲኾም ከምዚ በለ -
"ገሊኦም ክርስትያን ምእመናን ካብ ዝዀነ ይኹን ቤተ እምነት ኣብ መንግስታዊ ኮሚሽናትን ከምኡ ውን  አብ ሽማግሌ ተሓድሶን ክሳተፉ ሓቲትናዮም ኣሎና።" እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሥርዓተ ምርጫታትም፡ ኣካላት ሓለዋ ሥርዓት፡ ፍትሒ፡ ጸረ-ብልሽውናን ቅዋማት ሕዝባዊ ምምሕዳራትን ኣብ ዝግበር ተሓድሶ ምሕደራታት ብግዜግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዝቘሙ ሽዱሽተ ኮሚተታት ንምምልካት ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ብ2022 እተገብረ ቘጸራ ህዝቢ ኣብ ባንግላድሽ ኣስታት 500,000 ክርስትያናን ምእመናን ኣለዉ ።

ብፁዕ ኣቡነ ጎምዝ እዚ ድማ ይብሉ "ኣረኣእያና ኣብ እተፈላለየ መዳያት መጻኢ ናይታ ሃገር ኣብ ግምት ክኣቱ ኣድላዪ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ" በሉ።

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ባንግላዲሽ
ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ባንግላዲሽ

ዓመተ ኢዮቤል 2025

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ጎምዝ ኣብ ባንግላደሽ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብዕለት 8 ጥሪ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ከም ዝኸፈተት ውን ጸብጻብ ኣቕረቡ።
ወሲኹ ድማ "ምእማናን ባንግላደሽ ናብ ሮማ ንምኻድ ብተኣማንነት ትምኒት ኣለዎም " በሉ ፣ ኰይኑ ግና "ናይ ኢጣልያን ሕብረት ኣውሮጳን ቪዛ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ" በሉ ።
ብፁዕነቶም ኣስዒቦም ኣብ ህንዲ ዝጀመረ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ዝዀነ መንእሰያት ኢየሱስ፣ ናይ መንእሰያት ንግደት ዓመት ኢዮቤል ናብ ሮማ ኪውድብ ይጽዕር ከም ዘሎ ውን ኣመልከቱ።

እዚ መደባት እዚ "ኪዕወት ተስፋ ንገብር" ክብሉ ድማ መግለጺኦም ዛዘሙ።

15 Jan 2025, 12:52