ҽ

ሓላዊ ቅድስቲ መሬት፥ ‘ምእንታናን ንኹሎም ኣብ ዕሽነት ኲናት ዝሳቐዩ ንጹሃት ሰባትን ጸልዩ’ ሓላዊ ቅድስቲ መሬት፥ ‘ምእንታናን ንኹሎም ኣብ ዕሽነት ኲናት ዝሳቐዩ ንጹሃት ሰባትን ጸልዩ’ 

ሓላዊ ቅድስቲ መሬት፥ ‘ምእንታናን ንኹሎም ኣብ ዕሽነት ኲናት ዝሳቐዩ ንጹሃት ሰባትን ጸልዩ’

ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንጹሃት ሰባት ኣብ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ንህይወቶምን ንዝፈትውዎም ሰባትን ኣብ ዝፈርሑሉ ዘለዉ እዋን፡ ምኽትል ዓቃቤ ቅዱሳን ንብረት ቅድስቲ መንበር ኣብ ቅድስቲ መሬት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምእንቲ ቅድስቲ መሬት ክጽለ ሓደራ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላሕን ዝረአ ዘሎ ዓመጽ እናገደደ ነቲ ዞባ ናብ ዝያዳ ዕግርግር ከእትዎ ከም ዝኽእል ኣብ ዝፍርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓደ ድምጺ ጸሎትን ሰላምን ይሓትቱ።

ኣባ ኢብራሂም ፋልታስ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳን ንብረት ምኽትል ዓቃቢ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ . . . ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረትን ቶኽስን ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ዘወርድ ዘሎ ሞትን ማህሰይትን እናሓሰቡ፥ ዝርአ ዘሎ ግብረ ሕነ ፍዳ ብሓቂ መውጽኢ ዘይብሉ ኣናኾነ ንመላእ ኣቲ ዞባን ኪኖን ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ኣካፊሎም፡ ምንቲ እቲ ከባብን ህዝብን ጸሎት ንሓትት ቢሎም፡ ምንቲ ኹሎም በዚ ዕሽነት ዝመልኦ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ንጹሃት ሰባት ጸልዩልና"

ከም ዝበሉን፡ እዚ ጻውዒት ዘቕረብዎ ድማ ኢራን ነቲ ቴልኣቪቭ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣስታት 180 ሚሳይላት ናብ እስራኤል ኣብ ዝውንጨፈትሉ እዋን ክኸውን እንከሎ ክሌኣዊ ናይ ስነ መላዊ ርክብ መሰረት ዝገብረ ዘተ መሰረት ሰላም እዩ፥ እሞ ዘተ ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ኣባ ፍራንቸስኮ ፓተን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱስት ስፍራ ዓቃቢ እውን ብወገኖም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ልዕሊ ዕሽነት ኲናት ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክዕወት ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋኦም ገሊጾም።

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ፍራንቸስካውያን ኩሎም ናይ ድሕነት ጥንቃቐ ክኽተሉን ኣብ ውሽጢ ክጸንሑን ዕድመ ከምዝተገብረሎም ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ኩሎም "እዚ ብሓደ ወገንን በቲ ካልእ ወገንን ዘሎ ዕሽነት ከብቅዕን ሰላም ክምለስን" ክጽልዩ ከምዝተኣከቡ ድማ ሓቢሮም፥

"ኣጽዋር ክዛረብ ኣብ ክንዲ ምፍቃድ፡ ድምጺ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ይስማዕ" ኢሎም።

ዕለት 1 ጥቅምቲ እስራኤል ኣጋር ወተሃደራታ ናብ ሊባኖስ ኣብ እተመርሸሉ ዘላትሉ እዋን ንሊባኖስ ብሓይሊ ኣየር ትድብድብ ከም ዘላን ሂዝቦላሕ ድማ ሮኬታት ናብ ውሽጢ እስራኤል ብምትኳስ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን ናብ መዕቆቢ ቦታታት ክብሉ ከም እተገዱን። ብዙሓት ካብቶም ሚሳይላት ብምክልኻል ሓይሊ ኣየር እስራኤል ክዕገቱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን እስራኤል ከምዝወደቑ ናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ዕለት 1 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ “ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ምብራኽ ኣናሰፈሐ ድማ ይኸይድ ኣሎ እንክብል ነዚ ተግባር እዚ ኮኒኑ፥ እዚ ኲናት እዚ ደው ክብል ኣለዎ። ፍጹም ተኹሲ ደው ምባል የድልየና“ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 October 2024, 16:47