ҽ

ካርዲናል ዳ ሲልቫ፥ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቲሞር ኢስት 'ኣብ መንጎ እምነትን ባህልን ዘሎ ርክብ ዘጉልሕ' ካርዲናል ዳ ሲልቫ፥ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቲሞር ኢስት 'ኣብ መንጎ እምነትን ባህልን ዘሎ ርክብ ዘጉልሕ'  (Vatican Media)

ካርዲናል ዳ ሲልቫ፥ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቲሞር ኢስት 'ኣብ መንጎ እምነትን ባህልን ዘሎ ርክብ ዘጉልሕ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቲሞር - ኢስት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንክርስትያን ምእመናን ተስፋ ዘምጽእን ኣብ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ወንጌል ኣብ ባህሊ ንምስራጽ ኣብ ዘኽእሎም መንገዲ ዝመርሕ እዩ እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ዲሊ ካርዲናል ቨርጂልዮ ዶ ካርማ ዳ ሲልቫ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያን ምእመናን ቲሞር - ኢስት ንዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ ዝጽበዩ ነዊሕ እዋን ከም ዝገበሩን ኣብ ጎደናታት እታ ክሳብ 1975 ዓ.ም. ኣብ መግዛእቲ ፖርቱጋል ዝነበረት፡ ድሕሪኡ ድማ ክሳብ 1999 ዓ.ም. ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኢንዶነዥያ ተታሒዛ ናይ ዝነበረት ንእሽቶ ሃገር ህዝቢ ሓጎሱ ጎሊሑ ከም ዘሎን ኣብዛ ኣብ 2002 ዓ.ም. ልኡላዊት ዝኾነት ሃገር ዝበዝሐ ህዝቢ ሰዓቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝኾነን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 12 ጥቅምቲ 1989 ዓ.ም. ናብ ቲሞር-ኢስት ዝተጓዕዙ ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክኾኑ እዮም። ኣብቲ እዋን ግን ቲሞር ኢስት ሓንቲ ካብተን ዓብየቲ ዞባታት ኢንዶነዥያ እያ ዝነበረት። ስለዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብታ ካብ ዕለት 20 ግንቦት 2002 ዓ.ም. ኣትሒዛ ልኡላዊት ዝኾነት ቲሞር ኢስት ዝበጽሑ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እዮም።

ነቲ ዑደት ብዝበለጸ ንምውዳብ መንግስቲ ቲሞር - ኢስትን ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያንን ናይ ሓባር ጉጅለ ብምቛም ክልቲአን ትካላት ካብ መጀመርያ ኣትሒዘን ብሓባር ነዚ ዑደት እዚ ብዝበለጸ ንምንጋድ ይዳለዋ ከም ዘለዋን ኣብቲ ንዕለት 10 መስከረም ቅዱስነቶም ኣብ ዲሊ ኣብ ዝርከብ ሰጣሕ ጎልጎል ታሲ ቶሉ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእመናን ቲሞርን ካብ ኢንዶነዥያን ኣውስትራልያን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ነጋድያን ዝርከብዎም ኣስታት 700 ሽሕ ምእመናን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዲሊ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ መንእሰያት ኣብ “ማእከል ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ” እውን ክራኸቡን ኣብዚ ርክብ እዚ እውን ልዕሊ 4,000 መንእሰያት ክሳተፉ ከም ዝኾኑን ኣብ ካቴድራል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ምስ ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን እውን ክራኸቡ እዮም። ብድሕሪኡ ምስ ኣካለ ስንኩላን ህጻናት ቤት ትምህርቲ “ኢርማስ ኣልማ” ክራኸቡ እዮም።

ካርዲናል ዳ ሊልቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ቅዱሰንቶም ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መርሕ ቃል እምነትኩም ባህልኹም ይኹን ዝብል ኮይኑ እምነት ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ኣዕኑድ ምዃኑ ዘጉልሕን እዚ ድማ ኣብቲ ነዊሕ ​​ህሞት መከራ ተስፋ ከይንስእን ዘኽኣለና ጸጋ እዩ” ቢሎም፥ እቲ ናይቲ ዑደት መርሕ ቃል፥ እምነት ክርስትና ኣብ ልቢ ህዝቢ ቲሞር ዝያዳ ብውዕዉዕ ስምዒት ክነብርን ክዓቢን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም ካብ ሰለስተ ሃገረ ስብከት ቲሞር - ኢስት ማለት ዲሊ፡ ባውካውን ማልያናን ንዝመጹ ምእመናን ብዛዕባ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ ንምሕባር ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ከም ዘዳለዉ እውን ሓቢሮም፡ እቲ ዕላማ ድማ ብልክዕ ምእመናን ብዛዕባ ቀዳምነት ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ዘለዎም ርድኢት ከዕምቑ ምሕጋዝ ከምኡ እውን እምነትን ከባብያዊ ባህልን ከሰማምዑ ንምምሕጻን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዝካየድ ክልተ ሃገራዊ ዓውደ ትምህርቲ ከም ዘዳለወን እዚ ድማ ነቲ ቅዱሰንቶም ዘካይድዎ ምብጻሕ ብዕምቆት ርድኢት ክህሉን ትርጉሙ ንምስትውዓልን ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ህላወ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንክርስትያን ምእመናን ሰላምን ተስፋን ከምጽኣሎምን ውሽጣዊ ለውጢ ዘሕድረሎምን ንቤተ ክርስቲያን ቲሞር - ኢስት ተስፋ ዘበራብርን እዩ፡ እቲ ምስ ህላወ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝካየድ ርክብ ምእመናን እምነቶም ተረዲኦም ከብዕልዎን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ክምስክርዎን ዘተባብዕ ከም ዝኸውን ድማ ኣመላኺቶም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ናይ ቲሞር - ኢስት ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እምነት ክርስትና ኣብ ልቢ ካቶሊካውያን ክርስትያናት እታ ሃገር ባህሊ ክኸውን ይግባእ እንክብሉ ዘስመሩሉ ኣምር ጠቒሶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብ ቲሞር - ኢስት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንናይታ ሃገር ባህሊ ክትሰብኽን ወንጌል ኣብ ከባብያዊ ኵነታት ክተሕድርን፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ቲሞር - ኢስት እምነት ናብ መዓልታዊ ህይወት ክትርጒምዎ እውን ከም ዝጸለዩ ካርዲልናል ዳ ሲልቫ ኣብ ዝሃብዎ ምግለጺ የዘኻኽሩ።

02 September 2024, 15:30