ኣብ ሲንጋፖር ጭርሖ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመልክት መዝሙር ወጺኡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዛ መዝሙር "ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ሓደ ህዝቢ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኮይና መስራቲ ናይቲ ሃገራዊ ጉጅለ መዛሙርን “ሚስቲክ ፎንትን” ከምኡውን ኣባል ቁምስና ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ዝዀነ ኢታን ህሱ እተሰናደወት ኢያ።
እዛ መዝሙር ንታሪኽ ድሕነት ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ሓድሽ ኪዳን እተ ዘንቱን ንኢየሱስ ከም "ዳግማይ ኣዳም" ገይራ ኢያ እተቕርቦ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብስእሊ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ኢያ እትዛዘም።
"ብጐይታ እተቐደስናን፣ ብመንፈስ ቅዱስ እንምራሕን፣ ንዓለም ብርሃን ንኽንከውን፣ ከም ሓደ ህዝቢ ኣምላኽ መጠን እተለዓዓልናን ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ምዃንና እተዘኻኽረና መዝሙር ውን ኢያ" በለ።
ህሱ ንናይ ቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎታት ዝኸውን መዛሙር ኣብ ምድራስ ተመክሮ ዘለዎ፣ ነዛ መዝሙር ምስ መንፈሳውን ሓባራዊ ክብርታት ካቶሊካዊ እምነት ንምስምማዕ ኣብ መንፈስ ጸሎት ኣትዩ ኢዩ ዝደረሳ።
እቲ ብ2020 እተመስረተ ሚስቲክ ፎንት ጉጅለ መዛሙራን ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቘፈ እዩ ። እዚ ጉጅለ ሙዚገይናታ ንከም እኒ ABLE ትካል ኣገልግሎት ስንኩላን ከምኡውን ነቶም ኣብ ሲንጋፖር ንዚርከቡ ስደተይናታት ዚድግፍ ኮሚሽንን፣ ንሓዋርያዊ ጉስነት ስደተኛታትን ተመዛበልትን (ኤሲ. ኤም. ኣይ.) ዝኣመሰለ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ውን ዘገልግል እዩ።
እዛ መዝሙር እዚኣ ሊጡርጊያዊ መምርሒ ንምንጽብራቕን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ንምትብባዕን ተባሂላ እያ እተሰናደወት። ልክዕ ከምቲ "ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ሓደ ህዝቢ" ንምፍጣር ብድሆታት ዘጋትሞ፣ ከማኡ ድማ ሥነ መለኮታውን ሥነ-ኣእምሮኣውን መዐቀኒታት ንምዕቃብ ዘገልግል ግጥማት ንምድራስ ብድሆ የጋጥሞ ኢዩ።
ይኹን እምበር ህሱ ነዚ መስርሕ እዚ ኸም መርኣያ ሓድነትን ተስፋን ገይሩ እዩ ዝርእዮ ። "ኣብዚ ውጥን እዚ ኣብ ውሽጢ እታ ንእሽቶ ጕጅለና እውን ከይተረፈ ሓድነትን ተስፋን ከም ዝረኸብና ምስክርነት ኢዩ ነይሩ" በለ።
ወሲኹ ድማ "ካብ ግጭት ብኸመይ ከም እንወጽእን ኣወንታውን ህይወት ዝህብን ውጽኢት ንኽንረክብ ኣኽኢሉና ኢዩ" በለ።
እዛ ፍረ ነገር ናይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ናብ ሲንጋፖር ዝሓዘት መዝሙር ብ13 ነሓሰ ተዘርግሐት ኣብቲ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሲንጋፖር መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ናይ ድማ ትርከብ።
እዛ ዓንቀጽ እዚ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ ኢዩ ተሓቲሙ ። ኵሉ መሰላት ደራሲ እተሓለወ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይተፈቕደ ሕትመት ኪሕተም ኣይፍቀድን እዩ ።