ҽ

FILE PHOTO: Job aspirants talk with a hiring agent outside the Foxconn plant in Sriperumbudur FILE PHOTO: Job aspirants talk with a hiring agent outside the Foxconn plant in Sriperumbudur 

ኣብ ህንዲ ቤተ-ክርስትያን እትመርሖ ዋዕላ ኣብ ሽቕለት ኣልቦነትን ማሕበራዊ ብድሆታትን ዘተኰረ ተኻዪዱ

ኣብ ኒው ደልሂ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተወደበ ዓውደ ስልጠና ተኻዪዱ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ህንዲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ማሕበራዊ ዘይምርግጋእን እናገደደ ዚኸይድ ዘይማዕርነትን ድማ ኣጠንቂቑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብጉባኤ ካቶሊካውይና ጳጳሳት ሰሜናዊ ዞባ ዝኾነ ኮሚሽን ስደተኛታት ህንዲ እተመርሐ ዀይኑ ኣብቲ ኣብ ጐድኒ ቤት ሊቀ - ጳጳሳት ዝርከብ ማእከል ሰበካዊ ምሕበረሰብ ኢዩ ተኻይዱ ።

ሃገራዊ ጸሓፊት ኮንግረስ ሕብረት ንግዲ ሃገረ ህንዲ ዝዀነት ኣማርጀት ካውር ብዛዕባ ማተርስ ኢንድያ  ዝተባህለ ሰነድ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ "ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ ይውስኽ ኣሎ፣ መንእሰያትና ድማ ናብ ተስፋ ቁርጸት ይወድቁ ኣለዉ " በለት ።

ካውር ነዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ንምድጋፍ ሰፊሕ ፖሊሲ ኸም ዘድሊ ኣጕልሐት ።

እቲ ብዕለት 12 ነሓሰ እተገብረ ዓውደ ስልጠና 65 ተሳተፍቲ እተኻፈልዎ መደብ ኢዩ ዝነበረ፣ ካብዚኣቶም እቶም ካብ ስደተኛታትን ካብ ውሽጢ ዓዲ እተመዛበሉን ከምኡውን ዘይተወደቡ ጕጅለ ሰራሕተይናታት ይርከብዎም ።

ንሰብኣዊ ኽብርን ናይ ስርሕ መሰላት ስደተይናታትን ኣብ ምሕላው ከምኡውን ብምዝርራብን ብምትሕብባርን መፍትሒ ኣብ ምሃብ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ ።

ናይ ሰሰኻ ደልሂ ሊቀ-ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣኒል ኩቶ ኣብ መመረቕታ እዚ ዓውደ ስልጠና ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ዝርከቡ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ጸገማት ንምፍታሕ እተገብረ ኣገዳሲ ተበግሶ ምዃኑ ውን ገለጹ።

ነቶም ስደተኛታት ነባሪ ፍታሕ ንምምሕያሽ ሓድነትን ሓባራዊ ስጕምትን ክግበረሎም ወን ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ስደተይናንታ ክቡር ኣባ ጄሰን ቫዳሰሪ ነቲ ተልእኾ 2033 ብዝብል እተገብረ መደብ ሓውርያዊ ጉስነት ምስቲ ሲብኖዳዊ ተልእኾ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ብምስምማዕ እተገብረ ውጥን ውን ገለጹ።

እዚ መደብ እዚ ንስደተይናታትን ዘይተወደቡ ሰራሕተኛታትን ንምድጋፍ ከምኡውን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ንምድንፋዕ እትገብሮ ጻዕሪ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ዓውደ ስልጠና ኣብ እተፈላለየ መዳያት ዘተኰረ መደብ ስጕምቲ ብምድላው ተዛዘመ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ መሰላት ሰራሕተይናታትን ስደተይናታትን ዘይተወደቡ ሸቃሎን ንምሕላው ጽኑዕ ሃገራዊ ፖሊሲታት ንምግባር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝዓለመ እዩ ዝነበረ።

ብዘይካዚ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣንን ውድባትን ንስደተኛታት ንምድጋፍ ከምኡውን ንሰራሕተኛታት ብዛዕባ መሰሎምን ጥሪቶምን ንምስልጣን ዚግበር ጻዕሪ እናወሰኸ ኪኸይድ ዘተባብዕ ኢዩ ዝነብረ ።

 

እዚ ዓንቀጽ እዚ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ ኢዩ ተሓቲሙ ። ኵሉ መሰላት ደራሲ እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይተፈቕደ ሕትመት ኪሕተም ኣይፍቀድን እዩ ።

21 August 2024, 16:13