ҽ

2024.04.15 sorriso felicità 2024.04.15 sorriso felicità 

ዸም ለኻዊ መዓልቲ ቘልዑን ህጻናን 'ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ብዅሉ መሰል' የክብሮ

ውድብ ሕቡራት ሃገራ ኣብ ዸም ለኻዊ መዓልቲ ቘልዑ ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ንዝርከቡ ቈልዑን ህጻናትን ጽንክበሃሉን ዝሓሸት ዸም ክፈጥሩን ይዕድሞም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመታዊ ኣብ ዕለት 20 ሕዳር ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ ንቕሓት ንምፍጣር ኣህጉራዊ ሓድነት ንምድንፋዕ ከምኡውን ድሕንነቶም ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዸምለኻዊ መዓልቲ ቘልዑ ተኸቢሩ ይውዕል።

እታ ንመጀመርታ ግዜ ብ1954 እተመስረተት ዸምለኻዊት መዓልቲ ቘልዑን ህጻናትን ሓፈሻዊ ባይቶ ው. ሕ. ሃ. ብዛዕባ መስላት ቘልዑን ሕጻናትን ኣዋጃትን ስምምዓትን ኣብ ዝተቐበለሉ ኢዩ ዝነበረ።

ው. ሕ. ሃ. ካብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ንዝመጹ ሰባት እንተላይ ንቘልዑን ህጻናትን ብሰላምን ስኒትን ክነብሩሉ ዝኽእሉ ማሕበረሰብን ሃገራትን ኣብ ምፍጣር ኣገዳሲ ግደ ኽህልዎም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተርዝ ኣብታ ኣዝያ እተኸፋፈለት ህውከት ዝመልኣ ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ዓመጽ ዝመልኣ ዸም ንቈልዑን ህጻናትን ዘጋጥሞም ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ስለ እተገንዘበ "ነቶም ዝነኣሱ ኣባላት ሰብኣዊ ስድራቤትና ነኽብሮም ኣሎና" በለ።

ዸም ለኻዊ መዓልቲ ቘልዑን ሕጻናት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰላት ቈልዑ ንኸኽብርን ንዕቤቶም ምሹእ ባይታ ንኽፈጥርን ኣጋጣሚ እትኸፍተሎም ኢያ ።

ዸምለኻዊመዓልቲ ስጕምቲ

እዚ ዕለት እዚ ምሳልያዊ ጥራይ ኣይኰነን፣ ስጕምትን ተሓታትነትን ከም ዜድሊ ዝሕብር እዩ ።

ናይ ው.ሕ.ሃ. ብዛዕባ ብዛዕባ ቈልዑን ህጻናትን ዝሓሊ ማሕበር (ዩኒሴፍ) መዓልቲ ቘልዑን ህጻናትን "ዸምለኻዊ መዓልቲ ስጕምቲ" ኢሉ ኣዊጁ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ንቘልዑን ህጻናትን ዝምልከት ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ሕጋዊ መለክዒታትን ዝሓዘ ውዕላት መሰላት ቈልዑን ህጻናትን ምቕባል ዘመልክት ኢዩ።

"መሰላት ሕጻናት ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ" ብምባል ው. ሕ. ሃ. ብምርግጋጹ፣ ንህጻናት ኩልኣዊ ከም ዝኾኑን፣ መሰላቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱን ከምኡ ውን ንዕቤት ዝኾነ ማሕበረሰብ ድማ መሰረታዊ ኢዩ።

ኣብዛ መሰላት ቈልዑ ዕሽሽ ተባሂሉላን ተኸልኪሉን ዘላ ዸም ው. ሕ. ሃ. ቈልዑ በቲ ገዛእ ርእሶም ናይ ምግላጽ መሰሎም ገይሮም ድሌቶምን ሓሳባቶምን ንኽርድኡ ኽሰምዑ ከም ዘለዎም ከምኡውን ነቲ ሎሚ ኣብ ተግባራትና ቐዳምነት ዝህብዎ ነገራት ክሰምዑ ከም ዘለዎም የጕልሕ።

መሰላት ቈልዑ

ነቲ ኣብ መላእ ዸም ዘሎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ ብጕድለት ኣመጋግባን ሕማምን ክወድቁ ኸለዉ ማእለያ ዘይብሎም ከኣ ግዳያት ዓመጻን ምዝመዛን ውግእን ኰይኖም ኣለዉ። ው. ሕ. ሃ. ከም ዝገለጾ ብዙሓት ኣዋልድ ብሉጽ ትምህርቲ ይረኽባ ከም ዘየለዋ ውን ይገልጽ።

እቲ ብዛዕባ መሰላት ቘልዑን ህጻናትን ዝሓሊ ማሕበር ው. ሕ. ሃ. ዩኒሴፍን ካልኦት ትካላት ው. ሕ. ሃ. ነቶም ኣብ ሓደገኛ ወይ ከቢድ ዅነታት ዝርከቡ ቘልዑ ትምህርትን ምኽርን ክንክንን ዝህብ መደባት ብምድጋፍ ከምኡውን መሰላቶም ከይጥሓስ ኣበርቲዖም ብምድጋፍ መሰላት ቈልዑ ኽሕሎ ይጽዕሩ ኣለዉ።

21 November 2024, 14:55