ናይ ታይላንድ ሰብኣዊ ናይ ሕብረት ሃይማኖታት መርበብ ንተልእኾ ግብረ - ሰናይ እንደገና የረጋግጽ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ምትሕብባር እዚ ነቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ተበግሶ ማለት ነቲ "ነባርነትን ሰብኣውነትን" ዘርእስቱ መርበብ ዘዘኻኽር ኢዩ፣ እዚ ድማ እተፈላለያ ማሕበራት፣ ንማሕበረሰብ ንምምሕያሽ ብሓባር ክዓያ መብጽዓ ከም ዝኣተዋ ዘጕልሕ ኢዩ።
ኣብል ናይቲ ኣብ ባንግኮክ እትርከብ ማሕበር ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዝዀና ክብርቲ እናቴ ካኒካር ኢምታይሶንግ ኣብቲ ዝኽሪ 10ይ ዓመት ናይዚ ምትሕብባር እተገብረ ዋዕላ ተሳቲፈን ሓጐሰን ኣካፈላ ።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ትሕቲ እቲ 'ንደቂሰባት ምሕጋዝ ንማሕበረሰብ ምሕጋዝ ኢዩ!' ኣብ ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ሓባራዊ ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦ ነገራትን መደባትን ብምትኳር ነዚ ጕዕዞ እዚ ብምጅማረይ ሕጉስቲ ኢየ" በላ።
ክብርቲ እናቴ ካኒካር ንካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ወኪለን ምስቶም ንጽጉማት ቈልዑን ንእተፈላለየ ዓይነት ጕድኣት እተቓልዑን ዘገልግል ማእከላት መንእሰያት ብዙሕ ዘገልገላ ኢየን ።
ሓድነት ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ ውን ከምዚ በላ - "ኢየሱስ ኵላትና ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጠርና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና መሃረና። ንፍልልያትና ብምርዳእን ኣኽብሮትን ብምቕባል ሰብኣዊ ኽብረትና ኸነመሓይሽ ክንጽዕር ኣሎና።"
እቲ ብማእከላይ እላማዊ ቤትምኽቲ ታይላንድ ዝተወደበ ዋዕላ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መላእ እታ ሃገርን ኣብ መንጎ ናይ ግብረ - ሰናይ ወለንተይናታትን ዘሎ ምትሕብባር ንምድልዳል ዕላማ ኣለዎ ኢዩ ።
ተልእኾ ናይዚ መርበብ እዚ ዜጋታት ዓሌቶም ወይ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ ንውልቀ ሰባትን ንማሕበረሰባትን ኪሕግዙ ብምትብባዕ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሰብኣዊ ግብረ ሰናይ ናይ ምሃብ መንፈስን ንህዝቢ መጠንቀቕታ ኣብ ምሃብን ዝዓለመ እዩ ።
"ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ንምርካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ ኢዩ" ውን በላ። "ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ድኽነት ወይ መከራ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል? ድኽነት ብእተፈላለየ መገዲ ኺንጸባረቕ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ጥዕና ሓጐስ ኣእምሮ ወይ መሰረታዊ ድሌት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ።"
ስጕምቲ ንምውሳድ ኣብ ዚግበር ጻውዒት ካብ ፍቕርን ምሕረትን ከም ዚምንጩ እን ኣጉልሓ ። "ከምቲ ጐይታ ዝምሃረን ንዝረስሐ ኣእዳው ምፍራህ ንኻልኦት ካብ ምሕጋዝ ኪዓግተና ኽንፈቕደሉ የብልናን። ኣእዳውና ምልክት ትግሃትናን ተጻዋርነትናን እየን፣ ንፍቕሪ ግና ኪመጣጠሩ ኣለዎም" በላ።
ክብርቲ እናቴ ካኒካር ምስ ዜና ሊካስ ኣብ ዘካየዳኦ ቃለ-መሕትት ኣብ ተልእኾኦም ክለዓል ዝኽእል ብድሆታት እኳ እንተ ገለጸ፣ እዚ ዕንቅፋታት እዚ ኽሰግሮ ከም ዝኽእል ግን ዘለወን እምንቶ ገለጻ።
ንመሳኪን ውልቀ-ሰባት ኣብ መሪሕነት ምስታፍ ከምኡውን ነቶም ብርታዐ ዘለዎም ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም ፍሉይ መሰላትን ሓላፍነታትን ኣፍልጦ ንኽህቡ ምትብባዕ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሓ።
እቲ ዋዕላ ብዛዕባ ዸምለኻዊ ጕዳያት ኪሓስባተን እንከካፍላ እቲ ተነቃፊ ዸምለኻዊ ሰላም እናነከየ ዚኸይድ ከም ዘሎን፣ ዕቤት ደቅሰብ ዝኣመሰለ ሓያሎ ብድሆታት ኣብ ዘለዎ እዋን ዝተኻይደ ዋዕላ ምዃኑ ውን ኣመልከታ ።
ኣስዕብ ኣቢላ እውን "ይኹን እምበር ኣብ ሓባራዊ ምትእምማንን ምርድዳእን ኣኽብሮትን እተመስረተ ሓያሎ ድርብ ርክብ ብምድልዳል ጥራይ ነባሪ ዕቤት ደቂ ሰብ ከነደንፍዕ ኸም እንኽእል ንኣምን ኢና " በላ።
እዚ ዓንቀጽ እዚኣ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እዩ ተሓቲሙ ። ኵሉ መሰላት ደራሲ እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይፍቑድ ሕትመት ኣይፍቀድን እዩ ።