ሰበ ስልጣን እስራኤል ኣብ ቓዛ ኮነ ኢልካ ብኣስገዳድ ምፍንቓል ብዝብል ገበን ይኽሰሱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ 154 ገጻት ዝሓዘ "ተስፋ ዘይብሉ ዝጠመየን እተኸበበን" ዘርእስቱ ሰነድ፡ እስራኤል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ቓዛ ኮነ ኢልካ ብግዲ ከግዕዙ ዝድርኽ ወፈራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝፍጸም ናይ ውግእ ገበን እንክብል ብትረት ይገልጽ።
እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ምዝንባል ንመከላኸሊ ዞባታትን ጸጥታዊ መተሓልፎ ቦታ ንምሃብ ቀዋሚ ክኸውን መደብ ዝተተሓዘሉ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመላኺቱ፥ እዚ ድማ ምስ ምጽናት ዓሌታ ዝመዓረረ መስርሕ ምዃኑ ኣስተብሂሉ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 90% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ቓዛ ክም እተመዛበለን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዝተደጋገመ ምዝንባል ከም እተመዝገበ ይሕብር።
እዚ ድማ ምስ ምጽናት ዓሌታት ዝመጣጠን እዩ ይብል እቲ ጉጅለ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 90% ካብ ህዝቢ ጋዛ ተመዛቢሉ’ዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዝደጋገም ክስተት ምዃኑ የመላክት።
ናይቲ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣባቒ ዸም ለኸ ትካል ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳያት ሓላፊት ናድያ ሃርድማን፡ “መንግስቲ እስራኤል ንፍልስጤማውያን ኣብ መህደሚ መንገድታት ክቐትሎም፡ ውሑስ ዞባታት ኣብ ዝብሎም ቦታታት እውን ከትይተረፈ ቦምባታት የዝንብን መግቢ፡ ማይን መሳለጢ ጽሬት ንኸይሓልፍ እናዓገተ ንፍልስጤማውያን ውሑስ ቦታ እዩ ቢሉ ክዛረብ ዘገርም እዩ” ቢላ፥“እስራኤል ፍልስጤማውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ምርግጋጽ ዝነበራ ግዴታዊ ሓላፍነት ብግልጺ ጥሒሳቶ’ያ፡ ዳርጋ ንኹሉ ቦታታታ ኣዕንያቶ እያ” ከም ዝበለትን፡ እስራኤል ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዘይትጥሕስ ትገልጽ፡ ትእዛዛት ምውጻእ ሰባት ድማ ዝተሓተ ክሳራ ህይወት ንምርግጋጽ ዝተዳለወ ‘ሰብኣውነት’ ምዃኑ እያ ትገልጽ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝቐርብ ክሲ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ምስ እስራኤል ዝካየድ ፖለቲካዊ ዘተ ብሰንኪ ክህሉ ዝኽእል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ሓሳብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ዝቐረበ ኮይኑ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ዕለት 13 ሕዳር ምሸት ኣብ ከባቢ ቤሩት ዳግማይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸማን ሃገራዊ ማዕከን ዜና ነፈርቲ ውግእ ሰለስተ መጥቓዕቲ ፈጺመን እንክብል ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።