ҽ

ዸም ሓቆፍ ትካል ሓልዮ ሕጻናት፥ ኣብ ቓዛ ቅትለት ህጻናት ደው ክብል ጻውዒት የቕርብ ዸም ሓቆፍ ትካል ሓልዮ ሕጻናት፥ ኣብ ቓዛ ቅትለት ህጻናት ደው ክብል ጻውዒት የቕርብ  (ANSA)

ዸም ሓቆፍ ትካል ሓልዮ ሕጻናት፥ ኣብ ቓዛ ቅትለት ህጻናት ደው ክብል ጻውዒት የቕርብ

ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝከታተል ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ 5 ሕጻናት ከም እተቐትሉ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትካል ጉዳያት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ እስራኤል 50 ህጻናት ከም ዝተቐትሉን  እቲ መጥቃዕቲ ንሰሙናት ዝተፈጸመ ደብዳብ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝርከብ ጃባልያ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

እስራኤል፡ ሓማስ ዳግማይ ንኸይጥርነፍ ትጽዕር ከምዘላ ትገልጽ

ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ ጀምስ ኤልደር ኣብ ቓዛ ቅትለት ህጻናት ደው ክብል ዘቕረቦ ጻውዒት ደጊሙ ከም ዘሐደሰን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ክትባት ጸረ ፖልዮ፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እስራኤል ኣብ ግዝያዊ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብዘውረደቶ መጥቓዕቲ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ህጻናት ከም ዝቖሰሉ ገሊጾም፥ እዚ ፍጻመ፡ ሰራሕተይናታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ከተማ ቓዛ ንትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ህጹጽ ጻዕሪ ክትባት ጸረ ፖልዮ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ዝተፈጸመ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፥ እቲ ወፍሪ ድሮ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ቓዛ ይካየድ እኳ እንተሎ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ግን ብሰንኪ እቲ ዘይርጉእ ወተሃደራዊ ኩነታት ተናዊሑ ከም ዘሎ ዝሃብዎ መግለጺ መሰረት ገይሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መራሔ መግንስቲ ሊባኖስ ብዛዕባ’ቲ ዕለት 1 ሕዳር ብኮማንዶታት እስራኤል ዝተጨውየ ካፕቴን ባሕሪ ሓይሊ ሊባኖስ ጉዳይ ክጻረ እንክብሉ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ጥርዓ ከም ዘቕረበ የመላኽት።

05 November 2024, 09:04