ቅድስቲ መንበር ናብ ኮፕ29፦ ዘይምግዳስ ንምጕዳል ፍትሒ ምትሕብባር እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካንሎ
ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ኣብ ባኩ ኣዘርባጃን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ላእኻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቅዱስ ቤተ-ክርስትያን ወኪሎም ከምዚ ብምባል ተዛረቡ - "እቲ ኽንረኽቦ እንኽእል ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታ ተወሳኺ ምድንጓይ ኣየፍቅድን ኢዩ፣ ምዕቃብ ተፈጥሮ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ጕዳያት ምዃኑ ንጹር ኢዩ፣ ምስ ምዕቃብ ሰላም ኣጸቢቑ ኸም ዝተኣሳሰር ድማ ክንግንዘብ ኣሎና።"
ስስዐ ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታትን
ኣብ መበል 29 ዋዕላ ምዕቃብ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት (COP29) ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኮይኖም ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ኮፕ29 "ብብዙሕ ወገን ብዝራኸባ ትካላት እናዓበየ ይኸይድ ንዘሎ ተስፋ ቍርጸትን መናድቕ ናይ ምህናጽን ሓደገኛ ዝንባለታትን" ኣብ ግምት ከም ዝኣቱ ኣጕልሑ። ውልቀ-ሰባት ኰኑ ሥልጣናዊ ጕጅለታት ስስዐን ዘይምትእምማንን ምክፍፋልን ንዘለዎ ሃዋሁ ኸም ዚምግቡ ገለጹ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን እቲ ንሓድሕድና ኸም እንቀራረብ ዚገብረና ዓለምለኻዊ ምዕባለ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይና ኸም ዚስምዓና ኺገብር ከም ዘይከኣለ ውን ኣጠንቀቑ ። "ቍጠባዊ ምዕባለ ነቲ ዘይማዕርነት ኣይነከዮን" ብምባል ውን ኣጕልሑ። "ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ንዕቝባ እቶም ዝደኸሙ ብምጕዳእ መኽሰብን ፍሉይ ጥቕምን ቀዳምነት ምሃብ በርቲዑ ይርከብ ኣሎ፣ በብደረጃኡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ንኣከባቢያዊ ጸገማት እውን ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።"
ኣስዕብ ኣቢሎምውን እዚ ኣንፈት እዚ ክቕየር ኣለዎ ከምዚ ንምግባር ከኣ ንህይወትን ክብርን ወድሰብ ናይ ምኽባር ባህሊ ንምፍጣር "እቶም ጐዳእቲ ሳዕቤናት ኣነባብራ ንዅሉ ሰብ ከም ዝትንክፍዎ ኽንርዳእ ኣድላዪ ኢዩ " በሉ ።
ሓደጋታት ኣከባቢያውን ናይ ወጻኢ ዕዳን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዕብ ኣቢሎም ንዕቤትን ምትዕርራይን እተን ድሮ ዘልምስ ቍጠባዊ ዕዳ ጾር ወሪድወን ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ንዘዳኽም ዘሎ መፍትሒ ንምርካብ ጻዕሪ ኽግበር ከም ዘለዎ ኣጕልሑ። "ብዛዕባ ቝጠባን ኣከባቢያዊ ኩነታ ኣየርን ክንመያየጥ ከለና ኣከባቢያዊ ዕዳን ናይ ወጻኢ ዕዳን ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሳንቲም ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና ንመጻኢ ድማ ዕዳ ኽንከፍል ኣሎና።"
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ደገምዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ነተን ዝሃብተማ ሃገራት "ነተን ፈጺመን ክኽሕሳ ዘይክእላ ሃገራት ዕዳአን ይቕረ ኽብላ" ተማሕጸንወን። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናይ ልግሲ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ እዚ ጕዳይ ፍትሒ ኢዩ " ብምባል እተዛረብዎ ቓላት ውን ዘከሩ ።
በዚ ኸምዚ ድማ ካርዲናል ፓሮሊን ብፍላይ ነተን ተነቀፍቲ ዝዀና ሃገራት ብቐጻልን ሥሩዕን ዕቤት ዝድግፍ ኣብ ደቅሰብ ዘተኰረ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ስርዓት ክህነጽ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ኮፕ29 ከኣ ፖለቲካዊ ድሌት ናብ ሓፈሻዊ ዕቤት ክመርሕ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ጐሲና ክንሓልፎን ሸለል ክንብሎን ዘይብልና ጐዳይ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብዚ ጻዕሪ እዚ ወፈያ ናይቲ ቅድስቲ መንበር ውን ኣረጋገጹ - "ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዘይንጸል ኣከባቢያዊ ትምህርትን ከምኡውን ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ንኣከባብያዊ ጸገማትን ከም ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማት ገይርካ ከም ዝርአ ኣብ ምግባር ኢዩ ።" "ዘይምግዳስ ንምጕዳል ፍትሒ ምትሕብባር እዩ" ክብሉ ቕድሚ ምጥንቃቖም ድማ "ሓሊፍና ናብ ካልእ ክንጥምት ኣይንኽእልን ኢና!" በለ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንብር ኣብ መደምታ መደረኦም ንዅሎም እቶም ተጋባእቲ 'እንታይ ክንገብር እኽእል ?' ብኸመይ ወፈያ ክገብር እኽእል? ክብሉ ውን ሓተትዎም።
"ሎሚ ዘይምግዳስ ሸልል እንብለሉ ግዜ የብልናን" ውን በሉ። ኣስዒቦም ድማ "ኣእዳውና ካብ ብሑቕ ሸልትነት ወይ ተገዳስነት ክንሓጽቦ ኣይንኽእልን ኢና" በሉ። እዚ ኸኣ "ኣብዚ ዘመንና ዘጋጠም ዘሎ ናይ ሓቂ ብድሆ እዩ" ብምባል መደረኦም ዛዘሙ።