ር. ሊ. ጳ.፦ 'ቀንዲ ረቛሒ ትምህርቲ ብሉጽ ናይ ቤት ትምህርን ስድራ ቤትን ምትሕብባር እዩ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ምስ ሓደ ኻብቶም ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ኢጣልያ ዘገልግሉ መራሕቲ ናይ ጉጅለ ካቶሊካዊ ሕትመት "ላ ስኮላ " ምስ ዝመጹ ተወከልቲ ተራኺቦም ።
እዛ ማሕበር ብ1904 ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ እትርከብ ብረሽያ እተሰምየት ከተማ በቶም ኣብ ካቶሊካውይን ኣብያተ-ትምህርቲ ኢጣልያ እተለዓዓለ ትምህርቲ ኼስፋሕፍሑ ዚደልዩ ምእመናንን ካህናትን እያ ተመስሪታ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኤስ.ኢ. ኣይ. ከምኡውን ካፒተሎ ዝበሃል ናይ ኢጣልያ ኣብይቲ ማሕተማት ብምጥራይ ኣስፋሕፍሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ ነቲ እታ ኩባንያ ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ጸዋዕታን ቀጻሊ ኣገልግሎት ትምህርትን ነኣድዎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ 120 ዓመት ዝፈጸምዎ ዕማማት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1965 ካብ ላ ስኩላ ኢዲትሪቸ ተወከልቲ ምስ ተቐበሉ ኣቦኡ ኣበርክቶ ዝገበረሉ መሰረት ከም ዝፈጸሙ ገለጹ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ንሃይማኖታዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዘይምግዳስ እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ ባህላዊ ለውጢ ኢጣልያ ንምልማድ ዘርኣይዎ ተጻዋርነት ነኣድዎ።
"ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ዓበይቲ ኣባይቲ ማሕተማት ቀጻሊ ባህላዊ ለውጥታት እናተኻየደ ኸሎ ሓደጋታት ንምስጋር ኣይትፈርሁን ኢኹም።" በልዎም!
እቲ ንትምህርቲ ዘለዎም "ውዕዉዕ ስምዒት" ከምኡውን መምህራን ንምፍራይ "ንመንእሰያት ኣብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወንጌል ምዕባይ ምስ ኵሉ ሰብ ማእሰር ክሃንጹ ንዝኽእሉሉ ሓላፍነት ዝስምዖም ውልቀ-ሰባት ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ዘንጸባርቕ ኢዩ" በሉ።
እወ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊክ ብምዃን ነቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣኃው ኩልነ ዝጸሓፍዎ ዘከሩ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝመሃሮ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከብ ጽቡቕ ነገራት ምቕባል ዘጠቓልል ምዃኑ ውን ገለጹ ። "እዚ ንዅሉ ሰብ ክፉትን ናይ ዘተን ኣረኣእያ ኸም ዚህልወካ እዩ ዚገብር" በሉ።
"ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ኹሉ ሓደ ሰብ ኣእምሮን ልብን ንዓለም ክኸፍት ዝመሃረሉ ቦታ ኢዩ።"
ወሲኾም ድማ ቀንዲ ዕዮ ትምህርቲ እንታይ ምዃኑ ገለጸ፣ ብዛዕባ ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕቤት እውን ዚገልጽ እዩ በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ምምሃር ኪበሃል ከሎ "ጽቡቕ ንኽትሓስብ ጽቡቕ ንኺስምዓካ ቋንቋ ልቢ ንኺህልወካ ከምኡውን ጽቡቕ ንኽትገብር ምሕጋዝ" ማለት እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ራእይ እዚ ብፍላይ ሎሚ ብሉጽ ኣድላይነት ኣለዎ፣ ከመይሲ ንስድራቤታት ኣብያተ - ትምህርቲ ከምኡውን ንማሕበረሰብ ብሓፈሻ ሓድነት ከም ዝህልወን ክገብር ዝኽእል ትምህርታዊ ውዕል ኣድላዪ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና " ብምባል ኣመልከቱ ።
"ቀንዲ ረቋሒ ትምህርቲ እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝጐድል ዘሎ ሓድነት ቤት ትምህርትን ስድራቤትን ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ለውጥታት እዚ ኣብቲ ሓድሽ ወለዶ "ጽምኢ ፍልጠትን ጥበብን ንምምዕባል ሓድሽ ኣጋጣሚ" ከም ዝዀነ ውን ገለጹ።
"መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋን ቅልውላው ድምጺ ነብያት ተስፋ ኸም ዜርኢ ይምህረና እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ነቲ ተቕዋም ምስ ዕላማታቶምን መስረቶምን ብምስምማዕ ብትምህርቲ ኣቢሎም ኣብ ማሕበረሰብን ንተስፋ ናይ ምድንፋዕ ተልእኾኦም ኽቅጽሉ ኣተባብዕዎም።
"ሳላ ውጽኢታዊ ጽሑፋት ሳላ እቶም ብቑዓትን ህርኩታትን መምህራን ከምኡውን ሳላ እቲ ንተመሃሮ ዘድልዮም ነገራት ዝኸውን መሳርሒታት ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰደቓታት ደቂ ሰብ ሕውነት ይማሃሩ ኢዮም።"