ҽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ን1,000 መዓልቲ ውግእ ዜመልክት ደብዳበ ናብ ዩክረይን ለኣኸ

ውግእ ሩስያን ንዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ካብ ዝባራዕ ሓደ ሽሕ መዓልቲ ኣቑጺሩሉ ኣብ ዘሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኵሎም ዩክረይናውያን ዘለዎም ቅርበት ንምግላጽ ከምኡውን ሰላም ንክረኽቡ ዘለዎም ተስፋን ጸሎትን እትገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ሩስያ ብዕለት 24 ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትእውጅ ሎሚ ሰሉስ መበል 1,000 መዓልቲ ሓሊፉ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ እተሕዝን መዓልቲ ንምዝካርን ምስቶም ስቓይ ዝወረዶም ህዝቢ ዩክረይን ዘለዎ ሓድነትን ቅርበትን እንደገና ገለጹ ።

ኣብታ ናብ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ሓውርይዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሃገረ ዩክረይን እተላእከት ደብዳበ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዩክረይናውያን ክሳዕ ክንደይ ይሳቐዩ ኸም ዘለዉ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

"ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ቃላት ንህይወቶም ካብ መዓልታዊ ደብዳብ ቦምባታት ከዕቍቦምን፣ ነቶም ዝሞቱ ከጸናንዖም ቍሱላት ከሕዊ ቈልዑ ናብ ዓዶም ክመልስ ነጻነት እሱራት ክእወጅ ወይ ፍትሕን ሰላምን ክመልስ ከም ዘይክእል ኣጸቢቐ እፈልጥ ኢየ" በሉ።

እንተዀነ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣባይትን ስድራ ቤታትን ጐደናታትን ዩክረይን ከም ብሓድሽ ዝጽልዩላ "ሰላም" እትብል ቃል ምዃና ውን ገለጹ።

ኣኽብሮት ነቶም ዝሞቱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ሓውርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንብር ኣብታ ሃገር ዝኾኑ ወኪሎም ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ መዓልታዊ ንግሆ ሰዓት 9 ዩክረይናውያን ንዅሎም ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ቘልዑን ዓበይትን ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን ከምኡውን ነቶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ተኣሲሮም ዘለዉ ምሩኻት ንምኽባር "ሃገራዊ ናይ ጽሞና ጸሎት" ከም ዘካየዱ ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ሓሳባቶም ብምዝካር ነተን ኣብ መዝሙር 121 ዚርከባ "ረዲኤተይሲ ካብቲ ንሰማይን ምድርን ዝገብረ እግዚአብሔር እዩ ዚመጽእ" ክብሉ ጸሓፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣብ ጸሎት ዘሎ ሓድነትን መለኮታዊ ሓገዝን ኣብ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ከም ዝመጽእ ሓያል መዘኻኸሪ ኢዩ ።

"ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ንብዓት እናኣከበን፣ እናተጣበቐን ጻዕርታት ደቅሰብ ፍረ ዘይብሉን ተግባራትና ዘይበቕዐን ኰይኑ ኽስምዓና ኸሎ እውን ከይተረፈ፣ ምሳና ደው ከም ዝብል ተስፋ የደልድልና ኢዩ" በሉ።

ሰላም ንምርካብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ብምሉኡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መላእ ዓለም ደኺመ ኸይበሉ ተጣባቒ ሰላም ኰይኖም ተረኺቦም ኢዮም፣ ኣብቲ ቅዱስነቶም "በጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን" ክብሉ ዝገለጽዎ ድማ ሰላም ንኽረኽቡ ብዙሕ ግዜ ጸሎቶም ኣዕሪጎም ኢዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ናብ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኩልቦካስ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ነዚ ጸሎት እዚ አሐደስዎ፣ ዘተን ስኒትን ንምምሕያሽ ናይ ልቢ ተሓድሶ ክግበር ድማ ተማሕጸኑ።

ናብቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓውርያዊ ልኡኽን ከምኡውን ንህዝቢ ዩክረይን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ሓድነት ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ መለኮታዊ ጣልቃ ንኽኣቱ  መሰረታዊ ምሕጽንታ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

"እንኮ ምንጪ ህይወትን ተስፋን ጥበብን" ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝኾነ ድማ ገለጹ።

ብራኬ ንዩክረይን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መልኽቶም ንምእመናን ዩክረይን ከሰንይዎምን ክድግፍዎምን ኣብ ተልእኾኦም ጽኑዓት ንክዀኑ ንጳጳሳትን ካህናትን ቡራኬኦም ኣመሓላለፉሎም ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንብምሉኦም ህዝቢ ዩክረይን ከም ዝባርኽዎም ብምግላጽ "ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ናይ መወዳእታ ቓል ከም ዘለዎ" ዘለዎም እምንቶ ኣመልከቱሎም።

"ንብምሉኦም ህዝቢ ዩክረይን እባርኾም ኣሎኹ" ክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምትሕልላፍ ድማ መልእኽቶም ዛዘሙ።

20 November 2024, 14:51